Cholesterol Eritrees

Inhoudsopgave

ኮሌስትሮል

ኮሌስትሮል እንታይ እዩ?

ኮሌስትሮል ማለት ዋህዮታት፣ ሆርሞናትን ሓሞትን ኣካል ወዲ ሰብ ንምህናፅ ዘድሊ ስብሒ ትሕዝቶ ዘለዎ ነገር እዩ፡፡ መብዛሕትኡ ኮሌስትሮል ኣብ ውሽጢ ጉበት ይርከብ፡፡ ውሑድ ዝኾነ ዓቐን ድማ ብምግቢ ኣቢሉ ናብ ኣካልና ይኣትው፡፡

ኤል.ዲ.ኤል (LDL) ን ኤች.ዲ.ኤል (HDL) ዝብሃሉ ኮሌስትሮል

ኮሌስትሮል ኣብ ውሽጢ ደምና ምስ ዝተወሰኑ ፕሮቲናት ብምጥማር ይውሕዝ፡፡ እዞም ፕሮቲና እዚኦም ብሳይንሳዊ ኣፀዋውዓ ሃይ ዴንሲቲ ሊፖ ፕሮቲን (HDL) ን ሎው ዴንሲቲ ሊፖ ፕሮቲን (LDL) እንዳተብሃሉ ይፅውዑ፡፡

LDL ኣብ መላእ ኣካላትና ኮሌስትሮል ኣብ ዘድልየሉ እዋን ብምጉዕዓዝ የብፅሕ፡፡ ንኣብነት፣ ዝተጎድኡ ጭዋዳታት ንምፅጋን፡፡ በዝሒ ዘለዎ LDL ኮሌስትሮል ኣብ ውሽጢ መንደቕ ሱር ደም ክልጠፍ ይኽእል እዩ፡፡ እዙይ ዘጋጥምመብዛሕትኡ ጊዜ ኣብ ዝተጎድአ ሱር ደም እዩ፡፡ ሱር ደምና ብሽጋራ ምስታይ፣ ልዑል ናይ ደም ፃዕቂ ወይ ከዓ ደም በዝሒን ብዕድመ ምውሳኽን ክጉድኡ ይኽእሉ እዮም፡፡ ብውፅኢቱ ድማ ኣብ ውሽጢ እቲ ሱር ደም “ዝተለጠፈ” ነገር ብኽይዲ ይፍጠር፡፡ ብኸይዲ ድማ እቲ ሱር ደም ድበት እንዳመልአ ይኸይድ ስለ ዝኸይድ፣ ደም ብቐሊሉ ንምውሓዝ ኣፀጋሚ ይኸውን፡፡ እቲ ኣብ ግድግዳ ዝተለጠፈ ነገር ድማ ብኸይዲ ምስ ዓበየ ኣብ ፀበብቲ ክፋላት እቲ ሱር ደም ብምዕባስ ፀገም ክፈጥር ይኽእል እዩ፡፡ እዙይ ከዓ ንልቢ ድኻም ከቃልዕ ይኽእል እዩ፡፡ ኣብዚ እዋን እዚ ካብ ዓቀን ንላዕ ዝኾነ LDL ክፍጠር እንከሎ ን ሕማም ካርዲዮቫስኩላር ተቓላዕቲ ይገብረና፡፡ LDL ኮሌስትሮል ብኻሊእ ኣፀዋውዓ “ሕማቕ” ኮሌስትሮል ተባሂሉ ይፅዋዕ፡፡

ዋሕዚ ደም ዝቕንስ፣ ሱር ደም ክዕበስ እንከሎ

Afbeelding met binnen Automatisch gegenereerde beschrijving

HDL ኮሌስትሮል ካብ ደም ብምውጻእ ናብ ጉበት ይመልሶ፡፡ HDL ኮሌስትሮል ካብ ደምና ብምልጋስ ኣካልና ካብ ሕማም ካርዲዮቫስኩላር ይከላኸለልና፡፡ ውህደት HDLን ኮሌስትሮል ድማ HDL ኮሌስትል ይብሃል፡፡ LDL ኮሌስትሮል ብኻሊእ ኣፀዋውዓ “ፅቡቕ” ኮሌስትሮል ተባሂሉ ይፅዋዕ፡፡

ሳዕቤን ኮሌስትሮል ኣብ ጥዕና እንታይ እዩ?

ዓቐን ኮሌስትሮል እንድሕር ኣዝዩ ወሲኹን መጠነ ዝምድና LDL ኮሌስትሮልን HDL ኮሌስትሮልን እንድሕር ተሸፊፉ፣ ሕማም ካርዲዮቫስኩላር ናይ ምልካም ዕድልና ዝዓበየ እዩ፡፡ ብፍላይ ድማ ቄናን ዝኾነ መጠነ ዝምድና ልዑል ዝኾነ ሓደጋ ኣለዎ፡፡

ክልተ ምስ ኮሌስትሮል ዝተራኸቡ ውፅኢታት ኣለዉ፡ ሓፈሻዊ ውፅኢት ኮሌስትሮልን መጠነ ዝምድና ኮሌስሮልን ይብሃሉ፡፡ ናይ ክልቲኦም ኣሃዝ ብዝወሰኸ ቁፅሪ ብምኽንያት ሕማም ልቢ ናይ ምሟት ዕድልና እውን ይውስኽ እዩ፡፡ ሕማም ካርዲዮቫስኩላር ናይ ምምዕባል ዕድል ከምዘለና ንምፍላጥ መጠነ ዝምድና ኮሌስትሮል እቲ ፅቡቕ ሓባሪ እዩ፡፡ ካብዚ ንታሕቲ፣ ሓፈሻዊ ውፅኢት ኮሌስትሮል፣ መጠነ ዝመድና ኮሌስትሮል፣ ሳዕቤናት በዝሒ ኮሌስትሮልን ናይ LDL ኮሌስትሮል ዝውስኽዎን ዝቕንስዎን ውፅኢታት ክንርኢ ኢና፡፡

ሓፈሻዊ ኮሌስትሮል

ናይ ደም ምርመራ ኣብ ውሽጢ ደምና ክንደየናይ ኮሌስትሮል ከም ዘሎ ክሕብረና ይኽእል እዩ፡፡ ኣብ ውሽጢ ደምና ዝርከብ ኮሌስትሮል ብዝተወሰነ ክፈላለይ ይኽእል እዩ፡፡ ንዙይ እዩ ድማ እቲ ሓፈሻዊ ውፅኢት ኮሌስትሮል ብተደጋጋሚ ንክንምርመር ዝምከር፡፡

ናይ ደም ምርመራ ውፅኢት ርኢቶ፡

ሓፈሻዊ ውፅኢት ኮሌስትሮልመደምደምታ
ካብ 5.0 ንታሕቲልሙድ ቅጥዓዊ
ካብ 5.0 ክሳብ 6.4ብውሕድ ወሲኹ
ካብ 6.5 ክሳብ 7.9ወሲኹ
ካብ 8.0 ንላዕሊኣዝዩ ወሲኹ

መጠነ ዝምድና ኮሌስትሮልን ሕማም ካርዲዮቫስኩላርን

መጠነ ዝምድና LDL ምስ HDL ብሓፈሻ መጠነ ዝምድና ኮሌስትሮል ይብሃል፡፡ ብዝሕ ዝበለ LDL ዘለዎ ‘ዘባል’ ዝኾነ መጠነ ዝምድና ሕማም ካርዲዮቫስኩላር ናይ ምምዕባል ዕድልና ዝሰፍሐ እዩ፡፡ ሓፈሻዊ ድምር ኮሌስትሮል (LDL + HDL) ምስ HDL ክንመቕሎ እንከለና መጠነ ዝምድና ኮሌስትሮል ይህበና፡፡

ምኽንያት መልዐሊ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ንዝኾነ ኮሌስትሮል

ብንቡር ጉበትና ናይ ኩሌስትሮል ዓቀን ይቆጻጸር እዩ፡፡ ጉበትና ዝቆፃፀሮ ናይ ኮሌስትሮል ዓቐን ከም መነባብሮና ዓይነት ይፈላለ እዩ፡፡ ሽጋራ ምስታይ፣ ውሑድ ኣካላዊ ምንቅስቓስን ብዙሕ ሳቹሬትድ ስብሒ ዘለዎ ምግቢ ምብላዕ ነቲ ሚዛን ኮሌስትሮልና ብምስሓት ብዝሕ ዝብለ LDL ኮሌስትሮል ንክፍጠር ክገብር ይኽእል እዩ፡፡

ልዑል ናይ ኮሌስትሮል ዓቐን ካብ ዓሌት እውን ክመሓላለፍ ይኽእል እዩ፡፡ ካልኦት መልዐሊ ምኽንያታት ድማ ከም ዓይነት 2 ሕማም ሽኮርያ፣ ዓቐነ ዝሓለፈ ርጉዲን ጎሳስ ፅኪ እዮም፡፡

ምውሳኽን ምቕናስን ዓቐን LDL ኮሌስትሮል

ኣመጋግባና ዓቐን LDL ኮሌስትሮል ንክውስኽ ወይ ከዓ ንክቕንስ ክገብሮ ይኽእል እዩ፡፡ ብዝሕ ዝበለ LDL ኮሌስትሮል ንኣካልና ፅቡቕ ኣይኮነን፡፡ ስለዝኾነ ድማ LDL ኮሌስትሮልና ዝንክይ ምግብታት ክንበልዕ ይግባእ፡፡ ካብዚ ንታሕቲ ዘሎ ሰሌዳ ኣየናይ ምግቢ ክትበልዑ ከምዝግባእ (ዝቕንሰልና) ኣየናይ ምግቢ ከዓ ክትሓድግዎ (ዝውስኸልና) ከም ዝግባእ ይሕብረና፡፡

ውፅኢታትLDL ኮሌስትሮል
ዘይተጻረየ ቡና

(ዝተሰርሐ ቡናን ኣብ ካፌ ንሰትዮ ቡና)

ይውስኽ
DHA (ኦሜጋ – 3 ፋቲ ኣሲድ)ይውስኽ
እንቋቕሖይውስኽ
ትራንስ ፋቲ ኣሲድ:

ንካርቦሃይድሬት፣ ሞኖ ኣንሳቹሬትድ ፋቲ ኣሲድ ወይ ከዓ ፖሊ ኣንሳቹሬትድ ፋቲ ኣሲድ ብ ትራንስ ፋቲ ኣሲድ ምቕያር

ይውስኽ
ካብ ኣዳጉራ ዝርከብ ፕሮቲን ምጥቃምይቕንስ
ውጽኢታት ሰዓዕይቕንስ
ኣብ ክንዲ ሽኮር ስታርች ምጥቃምይቕንስ
ፅፁይ ጥራምረይቕንስ
ፍራፍረይቕንስ
ኦቾሎኒይቕንስ
ቅብኣት ዘለዎም ጥራምረይቕንስ
ኣዳጉራይቕንስ
ኣብ ክንዲ ጠስሚ ማርሪን ምጥቃምይቕንስ
ኣብ ክንዲ ሳቹሬትድ ፋቲ ኣሲድ፣ ኣንሳቹሬትድ ፋቲ ኣሲድ ምጥቃምይቕንስ

ፃዕዳ ሽንጉርቲ

ሓደ ሓደ እዋን ጻዕዳ ሽንጉርቲ ኣብ ልዕሊ ኮሌስትሮል ኣዎንታዊ ዝኾነ ውፅኢት ኣለዎ ይብሃል፡፡ ኮይኑ ግና ነዚ ከረጋግፀልና ዝኽእል እኹል ዝኾነ መርትዖ የለን፡፡

ምኽሪ ልዑል ዝኾነ ኮሌስትሮል ብኸመይ ምክልኻል ከም ንኽእል

ልዑል ዝኾነ ኮሌስትሮል ብዞም ዝስዕቡ ምንካይ ትኽእሉ ኢኹም፡

  • ጥዕንኡ ዝሓለወ ኣመጋግባ ብ መሰረት ዲስክ ኦፍ ፋይቭ ፕሮግራም
  • ጥዕንኡ ዝሓለወ ክብደት
  • ጥዕንኡ ዝሓለወ መነባብሮ ምስ እኹል ኣካላዊ ምንቅስቓስ
  • ዘይብሐ ምጭናቕ
  • ሽጋራ ዘይምስታይ

ምኽሪ ኣመጋግባ ለዑል ዝኾነ ኮሌስትሮል ንዘለዎም

ዓቐን ኮሌስትሮልም ብምንካይ ንሕማም ካርዲዮቫስኩላር ናይ ምጥቃዕ ዕድልም ክተጥፍእዎ ትደልዩ ዶ? ካብዚ ንታሕቲ ቀሪቦም ዘለዉ ምኽርታት ክትትግብርዎም ትኽእሉ ኢኹም፡፡ ሓደ ሓደ እዋን መድሓት ካብ ሓኪም ምውሳድ እውን ኣድላዪ እዩ፡፡

ከም መሰረታውነት ሕጊ ሓሙሽተ-ግደ (five-slice rule) ምጥቃም

ብመሰረት ‘Schijf van Vijf’ ምግቢ ክንበልዕ እንከለናን ዓቐን ኮሌስተሮልና ሓፍ ክብል እንከሎ ንባዕልትና ክንከናኸን ይግባእ፡፡ ‘Schijf van Vijf’ ዝተፈላለዩ ን LDL ኮሌስትሮል ዓቐን ከትሕቱልና ዝኽእሉ ምግታት ይዝርዝር፡፡ ንኣብነት ናይ እኽሊ ውፅኢታት፣ ኦቾሎኒን ጥራምረን፡፡ ካብ ዓቐን ዝሓለፈ LDL ኮሌስትሮል ኣብ ሱር ደም ይልጠፍ፡፡

ባሎንጓን ኦቾሎኒን

ዲስክ ፋይቭ (Disk of Five) ሳቹረትድ ፋቲ ኣሲድ ዘይሓወሱ ውፅኢታት እውን ዝሓወሰ እዩ፡፡ ውሑድ ሳቹሬትድ ስብሒ ዘለዎም ምግብታ ምብላዕ ን ኮሌስትሮለ ፅቡቕ እዩ፡፡ ኣብዚሕኩም ግና ኩሉ ጊዜ ከይትምገቡ፡፡ ብዝሕ ዝብ፤ ሳቹሬትድ ስብሒ ዘለዎም ስጋን ምግብታን እውን ሕሰቡሉ፡፡

ጥዕንኡ ዝሓለወ ክብደት

ካብ ዓቐን ዝሓለፈ ርጉዲ እንድሕር ሃልይኩም ክብደት ምቕናስ፣ ኮሌስትሮል ንምቕናስ ክሕግዘኩም ይኽእል እዩ፡፡ ብፍላይ ድማ፣ ዓብዪ ከብዲ እንድሕር ሃልይኩም፡፡ BMI መለክዒ ብምጥቃም ጥዕኡ ዝሓለወ ኣካዊ ክብት ከም ዘለኩም ዘይብልኩምን ምፍላጥ ትኽእሉ ኢኹም፡፡ ረጒድ እንድሕር ኮይንኩም ካብ ክደትክም 5 ክሳብ 15 ሚእታዊ ምንካይ ኣብ ውሽጢ ደምኩም ዝርከብ ናይ ኮሌስትሮል ዓቀን ንክመሓየሽ ይገብሮ እዩ፡፡

ኣብ ክንዲ ሳቹራቴድ ስብሒ ኣንሳቹራቴድ ስብሒ ተጠቐሙ

ሳቹሬትድ ስብሒ LDL ኮሌስትሮል ኮሌስትሮል ንክውስኽ ይገብሮ እዩ፡፡ ሳቹሬትድ ዝብል ስብሒ ኣብ ጠስሚን ተሪር ማርጋሪንን ይርከብ እዩ፡፡ ኣንሳቹሬትድ ዝብሃል ስብሒ ድማ ኣብ ውሽጢ ዘይቲ፣ ማርጋሪንን ዝተኣሸገ ማርጋሪንን ይርከብ፡፡

ውሑድ ስብሒ ዘለዎም ናይ ፀባ ውፅኢታት ውሰዱ

ፎርማጆ፣ ፀባን ካልኦት ውፅኢታት ፀባን LDL ኮሌስትሮል ክውስኸልና ዝኽእል ሳቹሬትድ ስብሒ ዝሓወሱ እዮም፡፡ ኮይኑ ግና እዚኦም ውፅኢታት እዚኦም ንጥዕናኹም ኣድለይቲ እዮም፡፡ ብምኹዋኑ ድማ ውሑድ ሰብሒ ዘለዎም ከም በዓል 20+ ን 30+ ፎርማጆ፣ ሞዘሬላ፣ ዘይፀንሐ ሓዱሽ ፎረማጆን ብፍርቂ ሰፈፍ ዝተገፈፎን ሙሉእ ንሙሉእ ሰፈፍ ዝተገፈፎ ፀባ (ውጽኢታት)፡፡

ዝተወሰነ ስጋን ብዝሕ ዝበለ ዓሳ፣ ቅብኣት ዘለዎ ጥራምረ፣ እንቋቕሖን ኦቾሎኒን

ንዝተመሓየሸ ኮሌስትሮል ዓቐን፣ ብውሕዱ ኣ ሰሙን ሓደ ሻብ ንዞም ስዒቦም ዘለዉ ምግብታ ንክትምገቡ ንመክር፡፡

  • ኣብ ሰሙን 1 ጊዜ ከም ቡኒ ሕብሪ ዘለዎ ባሎንጓ፣ ብርስንን ዓተር ዝኣመሰሉ ጥራምረ
  • ኣብ ሰሙን 1 ጊዜ ከም ሳልሞን፣ ሄሪንግን ስገምሪ ዝኣመሰሉ ስብሒ ዘለዎ ዓሳ
  • ሓደ ዕታሮ ጨው ዘይብሉ ኦቾሎኒ በብመዓልቱ
  • ክሳብ 300 ግራም ዝኸውን ቀይሕ ስጋ (ስጋ ወይ ከዓ ናይ ሓሰማ ስጋ)
  • ካብ 2 ክሳብ 3 እንቋቕሖ (ንኣትክልቲ ጥራሕ ተመገብቲ ወይ ከዓ ቬጂቴርያን ድማ ካብ 3 ክሳብ 4)

Afbeelding met voedsel Automatisch gegenereerde beschrijving

ዘይተፃረየ ቡና ብዝተኸኣለኩም ውሑድ ብምስታይ፣ ዝተፃረየ ቡና እንተትሰትዩ ይምከር

ዘይተፃረየ ቡና ናይ LDL ኮሌስትሮልና ይውስኾ እዩ፡፡ ዝፈልሐ ቡና (እቲ ማይ በቐጥታ ናብቲ ናይ ቡና ሕሩጭ ምውሳኽ) ከምኡውን ካብ ካፌ ንረኸቦ ቡና እንተዘይንሰትዮም ይምከር፡፡ ስሩዕ እቲ ዝተለመደ ቡና ይሓይሽ፡፡

Afbeelding met tafel, voedsel, kop, dessert Automatisch gegenereerde beschrijving

እኹል ዝኾነ ፋይበር ምብላዕ

ኣብ ሕድሕደ መዓልቲ ካብ 30 ክሳብ 40 ግራም ዝኣክል ፋይር ብልዑ፡፡ ፋይበር ናይ LDL ኮሌስትሮልና ክንክዮ ይኽእል እዩ፡፡ ብፍላይ ድማ ካብ ጥራምረ እኽሊን ካብ ፍራምረ ንረኽቦም ፋይበር፡፡ ስለዝኾነ ድማ ኣብ መዓልቲ ክልተ ሻብ ኪሉ ዝሓወሰ ጥራምረ እኽሊን ፍራምረን ብልዑ፡፡

Afbeelding met voedsel, fruit, verschillend, diverse Automatisch gegenereerde beschrijving

እኹል ዝኾነ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ግበሩ

እኹል ዝኾነ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ብሕማም ካርዲዮቫስኩላር ንከይንጥቃዕ ይሕግዝ፡፡ ኣብዚሕካ ኮፍ ምባ ብቲ ሕማ ናይ ምልካም ዕድልና ይውስኾ እዩ፡፡

መናእሰያት ኣብ ሰሙን ብውሕዱ ን 2.5 ሰዓታት እኹል ዝኾነ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምግባርን ናይ ዓፅምን ናይ ጭዋዳና ጥንካረ ዝጠቅም ምንቅስቓስ ኣብ ሰሙን ክልተ ሻብ ንክገብሩ ይምከር፡፡ ዕድኦም ልዕሊ 65 ዝገበሩ ዓበይቲ ሰባ ድማ ኣብ ሰሙን ክልተ ሻብ ሚዛን ናይ ምሕላው ምንቅስቓስ እንተትገብሩ ይምከር፡፡ እንታይ ዓይት ኣካላዊ ምንቅስቓሳት ንኣዕፅምትኹምን ጭዋዳኹምን ከምዘጠንክሮ ክትፈልጡ ትደልዩ ዶ? ወይ ከዓ ናይ ሚዛን ምሕላው ምንቅስቓሳት እንታይ ምኹዋኖም ከ? ኣብ ፋእሚ allesoversport.nl ዝርከቡ ምንቅስቓሳት ርኣይዎም፡፡

ሽጋራ ዘይምስታይ

ሽጋራ ዘይምስታይን ሽጋራ ምስታይ ምቁራፅን ሕማ ካርዲዮቫስኩላር ናይ ምምዕባል ዕድና ይቕንሶ፡፡ ሽጋራ ምስታይ ጠጠው ምባል ትደልዩ ዶ? ምስ ሓኪምኩም ቆፆሮ ኣትሕዙ፡፡

ክፍሊት

ልዑል ዝኾነ ኮሌስትሮል ኣለኩም ዶ? ብምኹዋኑ ድማ ናይ ጥዕና ኢንሹራንስኩም ንክኢላ ስነ ምግ ሓኪም ዘድሊ ወጻኢ ክሽፍነልኩም እዩ፡፡

QR code naar deze pagina

QR Code
nl_NLDutch