መብዛሕቲኦም ሰባት ኣመጋግብኦም ንዝትንፍስሉ መንገዲ ሳዕቤን ከምዘለዎ ክፈልጡ እንከለዉ ይግረሙ እዮም፡፡ ንኹሉ እትገብርዎ ምንቅስቓስ፣ ኣካልኩም ከም ነዳዲ ወይ ከዓ ፍልፍል ሓይሊ ምግቢ ይጥቀም፡፡ እቲ ትኽክለኛ ዝኾነ ንጥረ ነገር ኣብ ኣመጋግባኹም ምውሳድ ብቐሊሉ ኣየር ንክትትንፍሱ ክሕግዘኩም ይኽእል እዩ፡፡ ሓደ ዓይነት ምግቢ ጥራሕ ኩሉ ዘድልየኩም ንጥረ ነገር ንበይኑ ከማልአልኩም ኣይኽእልን እዩ፡፡ ጥዕንኡ ዝሓለወ ኣመጋግባ ብዙሕ ዓይነት ኣማራፅታት ዝሓወሰ እዩ፡፡ ንስኹምን ጉጅለ ጥዕና ክንክንን ብሓባር ንዓኹም ዝኸውን ናይ ምግቢ ፕሮግራም ክተዳልዉ ኢኹም፡፡ ምስ ኣፍልጦ ዘለዎን ዝተመዝገበን ናይ ስነ-ምግቢ ክኢላ ዘተ ምግባር ኣብ ትኽክለኛ መንገዲ ንክትጓዓዙ ይሕግዘኩም እዩ፡፡
ኣብ ውሽጢ ኣካልና ምግቢ ናብ ፍልፍል ሓይሊ ዝቕየረሉ መንገዲ ሜታቦሊዝም ወይም ከዓ ስርዓተ ምሕቓቕ ይብሃል፡፡ ኦክስጅንን እቲ ምግቢን ከም ጥረ ኣቑሑት እንተወሲድናዮም፣ ሓይሊን ካርቦን ዳይ ኦክሳይድን ድማ ውፅኢት እቲ ከይዲ እዮም፡፡ ካርቦን ዳይ ኦክሳይድ ብምትንፋስ እነውፅኦ ተረፈ ምህርቲ እዩ፡፡
ናይ ካርቦሃይድሬት ሜታቦሊዝም ወይ ከዓ ምሕቓቕ ብዙሕ ዝኾነ ካርቦን ዳይ ኦክሳይድ ንክነውፅአ ክገብረና ይኽእል እዩ፡፡ ናይ ስብሒ ሜታቦሊዝም ወይ ከዓ ምሕቓቕ ድማ ውሑድ ዝኾነ ካርቦን ዳይ ኦክሳይድ ንክነውፅአው ይገብረና፡፡ ገለገለ ሲ.ኦ.ፒ.ዲ (ናይ ሳምባ ምዕባስ ሕማም) ዘለዎም ሰባት፣ ዝበልዕዎ ናይ ካርቦሃይድሬት ዓቐን ምቕናስን ኣብ ኣመጋገባኦም ስብሒ ምውሳኽን ብቐሊሉ ንኽትንፍሱ ክሕግዞም ይኽእል እዩ፡፡
ከም ካብ ጥራምረ ዝተሰርሐ ባኒን ፓስታን ዝኣመሰሉ ካርቦሃይድሬትን፣ ብቐጥታ ካብ ግራት ዝመፅኡ ሓዱሽ ኣሕምልቲን ፍራምረን ኣብ ኣመጋባኹም ምረፁ፡፡
ክብደት ንምቕናስ፡ ካብ ባኒን ፓስታን ንላዕሊ ንኣሕምለቲን ፍራምረን ከም ካርቦሃይድሬት ኣማራጺ ገይርካ ምውሳድ፡፡
ክብደት ንምውሳኽ፡ ዝተፈላላዩ ዓይነት ናይ ጥራምረ ካርቦሃይድሬትን ሓደሽ ኣሕምልትን ፍራምረን ምብላዕ፡፡
ክብደት ንምቕናስ፡ ኣብ ውሽጦም ውሑድ ስብሒ ዘለዎም ከም ስብሒ ዘይብሉ ስጋን ስብሒ ዘይብሉ ናይ ፀባ ውጽኢታትን ተመገቡ፡፡
ክብደት ንምውሳኽ፡ ኣብ ውሽጦም ልዑል ናይ ስብሒ ዓቐን ዘለዎም ከም ፀባ፣ ኣጅቦ ወይ ከዓ ቺዝን ርጉኦን ምብላዕ ኣለኩም፡፡
መዘኻኸሪ፡ እዞም ኣብ ላዕሊ ዝረአናዮም ሕማም ሲ.ኦ.ፒ.ዲ ወይ ከዓ ናይ ሳምባ ምዕባስን ምትንፋስ ፀገም ንዘለዎም ሰባት እዩ፡፡ ድልየት ኩለ ሰብ ዝተፈላለየ እዩ፡፡ ስለዝኾነ ድማ ናይ ኣመጋግባ ለውጢ ባዕልትኹ ቅድሚ ምቕያርኩም ንሓኪምኩም ወይ ከዓ ኣፍልጦ ንዘለዎ ክኢላ ስነ - ምግቢ ኣማኽሩ፡፡
በብእዋኑ ኣካላዊ ክብደትኩም ብሚዛን ናይ ምልካዕ ልምዲ ኣማዕብሉ፡፡ እቲ መልክዒ ክብደት ምቕናስ ወይ ከዓ ምውሳኽ ከምዝግበኣኩም ከፍልጠኩም ይኽእል እዩ፡፡ እቲ ብበዓል ሞያ ዝተኣዘዘልም ናይ ኣመጋግባ ስርዓት ምትግባር ምስ ጀመርኩም፣ እንድሕር ደኣ ብዘይ ምቁራፅ ክብደት ትውስኹ ወይ ከዓ ትቕንሱ ኣለኹም ንሓኪም ወይ ከዓ ክኢላ ስነ ምግቢ ኣማኽሩ፡፡ ብግቡእ ዝተሃነፀ ኣካል ንሕማማት በቕሊሉ ክጻወር ይኽእል እዩ፡፡ ሲ.ኦ.ፒ.ዲ ዘለዎም ሰባት ብዝኾነ ዓይነት ሕማም ክጥቅዑ እንከለዉ፣ እቲ ሕማም ኣብ ልዕሌኦም ይብርትዕ እዩ፡፡ ሆስፒታል ክሳብ ምኻድ እውን ከብፅሕ ይኽእል እዩ፡፡ ፅቡቕ ኣመጋግባ እዚ ኹሉ ንከይፍጠር ይገብር እዩ፡፡ ወላ ሕማም እንድሕር ኣጓኒፉ እውን ብግቡእ ዝተሃነፀ ኣካል ነቲ ሕማም ኣብ ዝግበር ሕክምና፣ ኣካሉ ብግእ ዝተሃነፀ ቶሎ ክድሕን ይኽእል እዩ፡፡
መብዛሕትኦም ሰባት ኩለ መዳያዊ ረብሓ ዘለዎም ቫይታሚን ምውሓጥ ረብሓ ዘለዎ ኮይኑ ይረኽብዎ፡፡ ሲ.ኦ.ፒ.ዲ ዘለዎም ሰባት ብልሙድ ስቴሮይድ ዝብሃል መድሓኒት ይወስዱ እዮም፡፡ ንብዙሕ እዋን ስቴሮይድ ምውሳድ፣ ንኣካልኩም ዘድሊ ናይ ካልሽየም ዓቐን ብዝበለፀ ክውስኽ ይኽእል እዩ፡፡ ካልሽየም ክትክኡ ዝኽእሉ ተወሰኽቲ ነገራት ንምውሳድ ሕሰቡ፡፡ ቫይታሚን ዲ ዘለዎም ነገራት ውሰዱ፡፡ ካልሽየም ካርቦኔት ወይ ከዓ ካልሽየም ሲትሬት ዝተብሃሉ ጽቡቕ ናይ ካልሽየም ፍልፍል እዮም፡፡ ቅድሚ ዝኸነ ዓይነት ቫይታሚን ናብ ዕለታዊ ኣመጋግባኹም ምሕዋስኩም ምስ ሓኪምኩም ብምምኻር ርግፀኛ ኹኑ፡፡
ካብ ዓቐን ንላዕሊ ሶድየም ምውሳድ ናይ ደም በዝሒና ክውስኽ ዝኽእል ማይ ዝዓቖረ ሕብጠት ንክፍጠር ክገብር ይኽእል እዩ፡፡ ደም በዝሒ ወይ ከዓ ማይ ዝዓቖረ ሕብጠት እንተሃልይኩም፣ ኣብ መዓልቲ ክንደይ ዝኣክል ሶድየም ምውሳድ ከምዝግበኣኩም ንምፍላጥ ምስ ሓኪምኩም ተመያየጡ፡፡ እትበልዕዎ ምግቢ ጥዑም ንክኸውን ትጥቀምዎም ከም በርበረን ቅመማ ቅመምን ክንደየናይ ምግባር ከም ዝግበኣኩም ንምፍላጥ ን ኣፍልጦ ዘለዎ ክኢላ ስነ- ምግቢ ኣማኽሩ፡፡
በዝሒ ዘለዎ ማይ ምስታይ ኣካልኩም ካብ ማይ ሕፅረት ምክልኻል ጥራይ እንተይኮነስ ዕንጓልኩም ወይ ከዓ ንፋጥኩም ብቀሊሉ ንክወፅእ ይገብሮ እዩ፡፡ ብዛዕባ ማይ ኣወሳስዳ ምስ ሓኪምኩም ዘተ ግበሩ፡፡ ንመብዛሕቲኦም ሰባት ፅቡቕ ሽቶ ዝብሃል ኣብ መዓልቲ ካብ 6 ክሳብ 8 ብርጭቆ ማይ (8 ኣውንስ ፈሳሲ) ምስታይ እዩ፡፡ ክንድዚ ዝኣክል ማይ ብሓንሳእ ንምስታይ ከይትፍትኑ፡፡ ንሙሉእ መዓልቲ መቒልኩም ተጠቕምዎ፡፡ ሓደ ሓደ ሰባት ንሓደ ሙሉእ መዓልቲ ዝሰትይዎ ማይ ኣብ ሓደ መትሓዚ ንጉሆ ብምቕዳሕ፣ ደሓር ካብኡ እንዳነከዩ ንሙሉእ መዓልቲ ብምስታይ ይጥቀሙሉ፡፡ ሰትዮም ምስወድእዎ ድማ መሊሶም ብምምላእ፣ ኣብ መዓልቲ ክንደይ ማይ ከምዘድልዮም ንምፍላጥ ይጥቀሙሉ እዮም፡፡ ክትዝክርዎ ዝግባእ፣ ዝኾነ ዓይነት ካፊን ወይ ከዓ መነቓቕሒ ንጥረ ነገር ዘይብሉ ዝኾነ ዓይነት ፈሳሲ ኣብ ውሽጢ መዓልቲ ምስታይ ሽቶኹም ዳርጋ ዝወቓዕኹም እዩ ዝቑፀር፡፡ መብዛሕትኦም ምግቢታት ድማ እዚ ዘድልየና ፈሳሲ ዘማልኡ እዮም፡፡
ብስሩዕን በብመዓልቲ ብትበልዕዎ ምግቢ ናይ ኣመጋግባ ሽቶኹም ምውቃዕ ኣብይኩም ክኸውን ይኽአል እዩ፡፡ ብፍላይ ድማ እንድሕር ኣብ መዓልቲ ብዙሕ ካሎሪ ወይ ከዓ ሓይሊ ዘድልየኩም እንተኾይኑ፡፡ ከምኡ ድማ እቲ ኣፍልጦ ዘለዎ ክኢላ ስነ- ምግቢ ብዙሕ ካሎሪ ኣብ ውሽጢ መዓልቲ ንምርካብ ከም ፖሊ ኣንሳቹሬትድ፣ ሞኖ ሳቹሬትድን ትሑት ኮሌስትሮል ዘለዎም ናይ ምግቢ ዓይነታት ክትወስዱ ይግባእ ኢሉ እንተምዒድኩም፣ እዞም ምግብታት እዚኦም ኣብ ዕለታዊ እቶም ልሙድ ምግብታ ክንረኽቦም ኣይንኽእልን ኢና፡፡ ብምኹኑ ድማ እቲ ኣፍልጦ ዘለዎ ክኢላ ስነ- ምግቢ ብመድሓኒት ዝተሓገዘ ናይ ኣመጋባ ውፅኢት (ተወሰኽቲ ነገራት) ብፈሳሲ መልክዕ ንክትወስዱ መኺርኩም ክኸውን ይኽእል እዩ፡፡ እዞም መድሓኒታት እዚኦም ንሓደ ሐደ ዕለታዊ ስሩዕ ምግቢ ክበልዑ ዘይኽእሉ፣ ወይ ከዓ ኣብ ሓደ እዋን እኹል ምግቢ ምብላዕ ንዘይኽእሉ ሰባት ዳርጋ ናይ ሙሉእ መዓልቲ ምግቢ እዮም፡፡
ፍልፍል ሓበሬታ፡ ማሕበር ሳምባ ኣሜሪካ