Diabetes type 1 (suikerziekte) Eritrees

ዓይነት 1 ሕማም ሽኮርያ

ዓይነት 2 ሕማም ሽኮርያ እንታይ እዩ?

ዓይነት 1 ሕማ ሽኮርያ ቀጻልነት ዘለዎ ዘይድሕን ርእሰ ብዩን ሕማም እዩ፡፡ እቲ ሕማም ኣብ ሓጺር ገዜ ውሽጢ ክምዕብል ዝኽእልን ኣብ ዕድመ ንእስና ክርከብ ዝኽእል እዩ፡፡

ሽም ኣፀዋውዓ፡ ሽኮሪየ ዶ ወይስ ምስ ሽኮሪያ ዝተራኸበ ሕማም?

ዕላዊ ሽም ሕማም ሽኮሪያ፣ ዲያቤቲስ ሜላይተስ ይበሃል፡፡ መብዛሕትኡ ግዘ ግና ሽኮሪያ ብዝብል ሽም ኢና ንሰምዖ፡፡ ሽኮሪያ ዝብል ሽም ናብ ግጉይ ዝኾነ መደምደምታ ክወስደና ይኽእል እዩ፡፡ ንኣብነት፣ ሓደ ብሕማም ሽኮሪያ ዝሓመመ ሰብ ሽኮር ክበልዕ የብሉን ዝብል ኣረኣእያ ኣሎ፡፡ ብዚ ምኽንያት እዩ መብዛሕትኡ ግዘ ሽኮርያ እንዳተብሃለ ዝፅዋዕ፡፡ ካብ ዓይት 2 ሕማም ሽኮሪያ ወጻኢ፣ ዓይነት 2 ሕማም ሽኮርያ እውን ኣሎ እዩ፡፡

ዓይነት 1 ሕማም ሽኮሪያ ኣብ ውሽጢ ክንደይ ሰባት ይርከብ?

ልዕሊ 1.1 ሚልየን ዝኾነ ደች ዜግነቶም ሰባት ሕማም ሽኮርያ ኣለዎም፡፡ ካብዚኦም እቲ ዳርጋ 9 ሚእታዊ ዝኾኑ ዓይት 1 እዩ ዘለዎም፡፡ መብዛሕትኦም ሰባት እዚ ሕማም ሽኮሪያ እዚ ብዕድመ ንእስነቶም እዩ ዝጅመሮም፡፡ ኮይ ግና መናእሰያ እውን ክሕዞም ይኽእል እዩ፡፡ ወላ እኳ ኣብዚ ሕዚ ዘመን ዓይነት 2 ሽኮሪያ እውን ንቆልዑት እንዳለከመ እንተመፅአ፣ መብዛሕትኦም ሕማም ሽኮሪያ ዘለዎም ቆልዑት ዓይነት 1 ሕማም ሽኮርያ እዩ ዘለዎም፡፡ መብዛሕትኦም መናእሰያት ድማ ዓይነት 2 ሕማም ሽኮሪያ እዩ ዘለዎም፡፡

ዓይነት 1 ሕማም ሽኮርያ ከመይ ይገብር?

ጻዕዳ መረቕ ኣልቦ ምግባዊ ሰብስታንስ ወይ ከዓ ብኻሊእ ኣፀዋውዓ ስታርችን ሽኮርን ምስወሓጥና ኣካልና ናብ ግሉኮዝ ይቕይሮም እዩ፡፡ እቲ ግሉኮዝ ድማ ምስ ደምና ይሕወስ፡፡ ኣብዚ እዋን እቲ ምስ ደም ዝተሓወሰ ግሉኮዝ፣ ናይ ደም ግሉኮዝ ወይ ከዓ ናይ ደም ሽኮር ይብሃል፡፡ እቲ ግሉኮዝ ብደም ጌይሩ ናብ ዋህዮታትና ይኣትው፡፡ እዚ ከዓ ንምትንፋስ፣ ንምንቅስቓስን ህርመት ልብና ንክቕፅል ዘድልየና ኩሉ ሓይሊ ይህበና፡፡ ዋህዮታ ብሓገዝ ኢንሱሊን ኣብ ውሽጢ ደምና ዝርከብ ግሉኮዝ ይወስዱ፡፡ እዚ ሆርሞን ኣብ ውሽጢ ላልሽ ይፍጠር፡፡ ብልሙድ፣ ካብ ደም ናብ ውሽጢ ዋህዮ ግሉኮዝ ንምርካብ እኹል ዝኾነ ኢንሱሊን ምህላው ዘይምህላዉ ኣካልና ባዕልቱ ይቆፃፀር እዩ፡፡ ኢንሱሊን ዳርጋ ከም ቁልፊ ኮይ እዩ ዝሰርሕ፡፡ ናይ ኣካልና በሪ ዝኾኑ ነቶም ዋህዮታት ብምኽፋት ኣብ ውሽጢ ደም ዝርከብ ግሉኮዝ ንክኣትው ይገብርር፡

ዓይነት 1 ሕማም ሽኮርያ ላልሽ ኢንሱሊን ምስራሕ ጠጠው ከብል እንከሎ እዩ፡፡ ኣብ ውሽጢ ላልሽ ዝርከቡ ዋህዮታት ብናይ ኣካልና ስርዓት ሕማም ምክልኻል ክጥቅዑ እንከለዉ እዩ፡፡ እዙይ ከዓ ርእሰ ብይን ምክልኻል ይብሃል፡፡ ብምኹዋኑ ድማ ዓይነት 1 ሕማም ሽኮርያ ብኻሊእ ኣፀዋውዓ ርእሰ ብይን ምክልኻል ሕማም ይብሃል፡፡ ዓይነት 1 ሕማም ሽኮሪያ ኣብ ዘለዎም ሰባት ግሉኮዝ ካብ ደም ወጺኡ ናብ ዋህዮ ክኣትው ኣይክእልን፡፡ ብምኹዋኑ ድማ ኣብ ውሽጢ ደምና ዝርከብ ግሉኮዝ ይውስኽ፡፡

ናይ ደም ግሉኮዝ ወይ ከዓ ሽኮር ማለት እንታይ እዩ?

ናይ ግሉኮዝ ዓቐን ኣብ ውሽጢ ደምና ብዝሓቐቐ ግሉኮዝ ልክዕ ይእመት፡፡ ናይ ደምና ግሉኮዝ ዓቀን ኢንሱሊንን ግሉኮጅን ዝተብሃሉ ሆርሞናት ቁፅፅር ይግበሮ፡፡ ኢንሱሊን ሕድሕድ ዋሕዮታት ግሉኮዝ መውሳዶምን ዘይምውሳዶምን የረጋገፅ፡፡ ግሉኮጅ ድማ እቲ ዝተወሰደ ግሉኮዝ ካብ ዋህዮታ ምውፅኡን ዘይምውፅኡን የረጋግፅ፡፡ እዚ ከይዲ እዚ ናይ ደምና ግሉኮዝ መጠን ዕቕን ክኸውን ይገብሮ፡፡ ኣብ ኖርማል ኩነታት ኣብ ሓደ ጥዑይ ሰብ ናይ ደም ግሉኮዝ ዓቐን ካብ 4 ክሳብ 8 ክኸውን ይኽእል እዩ፡፡

ዓይነት 1 ሕማም ሽኮሪያ ኣብ ዘለዎም ሰባት ግና፣ ግሉኮዝ ናብቶም ዋሕዮታት ንክኣትው ዝገብር ኢንሱሊን ስለዘይህልው እቲ ዓቐን ካብ 8 ዝለዓለ ይኸውን፡፡ እዚ ዓቐን እዚ ግና መሊሱ ክወርድ ይኽእል እዩ፡፡ ይኹን ደኣ እምበር ዓይነት 1 ሕማም ሽኮርያ ዘለዎም ሰባት ነዚ ዓቐን ኣብ ጥዑይ ንምግባር ክፅገሙ ይኽእሉ እዮም፡፡ ምኽንያቱ ድማ ሓደ ሰብ ብልክዕ ክንደየናይ ኢንሱሊን ከም ዘድልዮ ክፍለጥ ኣይከኣልን፡፡ ካልኦት ከም ጭንቀት፣ ሕማም፣ ኣካላዊ ምንቅስቓስን ኣልኮልን ዝኣመሰሉ ምኽንያታት ናይ ደምና ግሉኮዝ ክውስኽ ወይ ክቕንስ ክገብርዎ ይኽእሉ እዮም፡፡

ሕማም ሽኮርያ መዓዝ ይሕዘና?

ሓደ ሰብ ሕማም ሽኮሪያ ኣለዎ ዝብሃል ኣብ ውሽጢ ደሙ ዝርከቡ ናይ ደሙ ግሉኮዝ ዓቐን ምስ ተለክዐ፡

  • ፆምና ክንምርመር እንለና (ምርመራ ቅድሚ ምግባርና ን 8 ሰዓታt ምግቢ ምብላዕን ምስታይን ኣይከኣልን) 7 ወይ ከዓ ካብኡ ንላዕሊ እተኾይኑ፡፡
  • ምግቢ ምስ በላዕና ድሕሪ 2 ሰዓታት ድማ 11.1 እንተኾይኑ

እቲ ሕማም ኣብ ናይ ፈለማ ብርኪ ሽኮሪያ እዩ ዝርከብ ንክብሃል ናይ ደም ውፅኢትና

  • ፆምና እንከለና ካብ 6.1 ክሳብ 7
  • ምግቢ ምስ በላዕና ድሕሪ 2 ሰዓታት ድማ ካብ 7.8 ክሳብ 11.0 እንተኾይኑ

ናይ ደምና ግሉኮዝ ዓቐን ንቡር እዩ ክብሃል ዝኽእል እንድሕር፡

  • ፆምና እንከለና 6.0 ሚሊሞል/ሊትር ወይ ከዓ ካብኡ ንታሕቲ እንተኾይኑ እዩ፡፡
  • ምግቢ ምስ በላዕና ድሕሪ 2 ሰዓታት ድማ ካብ ትሕቲ 7.8 ሚሊሞል/ሊትር እንተኾይኑ

መልዐሊ ዓይነት 1 ሕማም ሽኮርያ እንታይ እንታይ እዮም?

ኣብ መበገሲ ዓይነት 1 ሕማም ሽኮርያ እንታይ ከምዝኾነ ክሳብ ሕጂ ንጹር ሓበሬታ የለን፡፡ ካብ ዘርኢ ምምሕልላፍ ናይ ባዕልቱ ግደ ዘለዎ እንትኸውን ከባቢያውን ኣመጋግባን እውን ናይ ባዕልቶም እጃም ኣለዎም፡፡ ከምኡውን ጡብ እንዳጠበዩ ዝዓበዩ ቆልዑት ደሓር ምስዓበዩ ብሕማም ሽኮርያ ናይ ምትሓዝ ዕድሎም ዝተሓተ ከምዝኾነ ዘመላኽቱ ነገራት ኣለዉ፡፡

ኣሉታዊ ሳዕቤን ሽኮርያ ኣብ ልዕሊ ጥዕናና

ምልክታት ሃይፐር (ልዑል ግሉኮዝ ኣብ ውሽጢ ደም )

ዓይነት 1 ሕማም ሽኮርያ ዘለዎም ሰባት ልዑል ዝኾነ ግሉኮዝ ኣብ ውሽጢ ደሞም ይርከብ እዚ ከዓ ሃይፐርግላይኬምያ ወይ ከዓ ብሓጺሩ ‘ሃይፐር’ ፡፡ ሃይፐር ዝተፈላዩ ምልክታት ክህልውዎ ይኽእሉ እዮም፡፡ ንኣብነት ድኻምን ሕማምን፣ ሃንደበታዊ ናይ ስምዒት ምቅይያር፣ ማይ ፅምኢ፣ ምግ ምዕጻው ወይ ከዓ ጥምየት፣ ብተደጋጋሚ ሽንቲ ማይ ምሻን፣ ፅልግልግ ዝበለ ምርኣይ፣ ዕግርግር ምባልን ተምላስን ዝኣመሰሉ ይሓውስ፡፡ እንድሕር ድኣ ንሃይፐር ተሓኪምናዮ እቶም ምልክታት ቀልጢፉም ይጠፍኡ እዮም፡፡ ንዊሕ እዋን ዝፀንሕ ናይ ግሉኮዝ ዓቐን ን ደም ሱር ይጎድኦ እዩ፡፡ ብምኹዋኑ ድማ መብዛሕትኡ ግዘ ብሕማም ሽኮሪያ ዝተትሓዙ ሰባት ብሕማም ካርዲዮቫስኩላር ናይ ተጠቃዕነት ዕድሎም ሰፊሕ እዩ፡፡ ካልኦት ፅንሕ ኢሎም ዝረኣዩ ምልክታት ከዓ ከም ናይ ኩላሊት መጉዳእቲ፣ እግሪ ምሕባጥን ፅልግልግ ዝብለ ምርኣይን ዝኣመሰሉ እዮም፡፡

ምልክታት ሃይፖ (ውሑድ ግሉኮዝ ኣብ ውሽጢ ደም)

ኣብ ውሽጢ ደም ዝርከብ ግሉኮዝ ካብ 3.5 ንታሕቲ እንተወሪዱ ሃይፖ ኣለኩም ይብሃል፡፡ ምልክታት እዚ ሕማም ብውሕድ ምብስጫው (ዳይስፎርያ) ፣ ምንቅጥቃጥ፣ ምርሃጽ፣ ቀጢፍ ናይ ልቢ ሕርመት፣ ምቡሃቅን ፀባይ ምቅይያርን ዝኣመሰሉ እዮም፡፡ ኣብ ውሽጢ ደምና ዝርከብ ናይ ግሉኮዝ ዓቐን እነድሕር ኣዝዩ ትሒቱ እቲ ሰብ ፌይንት ክወድቕ ይኽእል እዩ፡፡ ብጣዕሚ እንተኸፊኡ ድማ እዚ ነገር ናብ ሓንጎል መጉዳእቲን ሞትን ከብፅሕ ይኽእል እዩ፡፡ እዙይ ዝኾነሉ ምኽንያት ግሉኮዝ ኣብ ውሽጢ ደምና ክትሕት እንከሎ ናይ ሓንጎልና ዋህዮታት እውን ሕፅረት ግሉኮዝ ስለዘጋጥሞም እዩ፡፡ ብምኹዋኑ ድማ ሃይፖ ምስ ኣጋጠመና ቀልጢፍና ምቁር ነገራት ምብላዕ ኣድላዪ እዩ፡፡

ሃይፖ ከምዝሓዘና ከመይ ጌይርና ንፈልጥ

ሃይፖ ብዙም ዝስዕቡ መንገስታት ምልላይ ትኽእሉ ኢኹም፡

  • ምንቅጥቃጥ
  • ምርሃፅ
  • ቅልጡፍ ናይ ልቢ ሕርመት
  • ምቡሃቕ
  • መንፈስ ምልውዋጥ
  • ንባዕልትኻ ምስሓት ወይ ከዓ ዓርስኻ ዘይምፍላጥ (ብዝኸፍአ ብርኪ)

ሽኮሪያ የብልኩምን ኮይኑ ግና ብሃይፖግላኬምያ ብስሩዕ ትሳቐዩ ዶ? እንድሕር ኮይ ናብ ሓኪም ንክትኸዱ ንመክር፡፡

ናይ ነዊሕ እዋን ናይ ጥዕና ፀገም

ኣብ ነዊሕ እዋን ሃይፐርግላይኬምያ (ልዑል ግሉኮዝ ኣብ ውሽጢ ደም) ክድሕ ዘይኽእሉ መጉዳእቲ ኣብ ኣዕይንቲና፣ ኩላሊትን መትንናን ወይ ከዓ ነርቭና ከብፅሕ ይኽእል እዩ፡፡ ንዓይነ ስውርነት፣ ኩላሊት ሕማም፣ ንጾታዊ ርክብ ምዝሓልን እግሪ ምቁራፅ (ካብ ቁፅፅር ወጻኢ ብዝኾነ ሽኮሪያ ምኽንያት) ከጋልፀና ይኽእል እዩ፡፡

ካብኡ ንላዕሊ ድማ ብሕማም ካርዲዮቫስኩላር ናይ ምልም ዕድልና ኣዝዩ ዝለዓለ እዩ፡፡ እዞም ሕማማት እዚኦም ጭዋዳና ንነዊሕ እዋን ንግሉኮዝ ተቓላዒ ስለዝኸውን መጉዳእቲ ስለዝበፅሖ እዩ፡፡

ናይ ኣመጋግባ ምኽሪ

ዝተወሰኑ ምግታት ዓይነት 1 ሕማም ሽኮሪያ ንከይሕዝና ወይ ከዓ ቀልጢፉ ንከየጥቀዐና ክገብሩ ከምዝኽእሉ ዝተረኸበ ወላ ሓደ መርትዖ የለን፡፡ ይኹን ደኣ እምበር፣ ጥዑይ ኣመጋግባ ብምውሳድ ከም ካርዲዮቫስኩላር ዝኣመሰሉ ሕማማት ምክልኻል ንኽእል ኢና፡፡

መድሓኒትን ኣመጋግባን

Afbeelding met persoon, accessoire Automatisch gegenereerde beschrijving

ዓይነት 1 ሕማም ሽኮርያ ዘለዎም ሰባት ብዝበልዕዎ ምግቢ ልክዕ፣ ኢንሱሊን ናብ ኣካሎም ንምእታው ዝሕግዞም ብመርፍእ መውጋእቲ መልክዕ ወይ ከዓ ኢንሱሊን ፓምፕ (መምጠጢ) ብምግባር ኢንሱሊን ናብ ኣካሎም የእትዉ፡፡ ግሉኮዝ ሜትር ብዝብሃል መሳርሒ ብምሕጋዝ ኣብ ውሽጢ ደሞም ዝርከብ ናይ ግሉኮዝ ዓቐን ባዕልቶም ክልክዑ ይኽእሉ እዮም፡፡ ሕድሕድ ዝውግእዎ ናይ ኢንሱሊን ዓቐን ምስ ሕድሕድ ኣብ ዝወሰድዎ ምግቢ ዘሎ ካርቦሃይድሬት (ስታርችን ሽኮርን) ዝተራኸበ እዩ፡፡ ነቲ ኢንሱሊን በብመዓልቱ ተመሳሳሊ ዝኾነ ዓቐን ንወስድ እንድሕር ኾይንና፣ በብምዓልቱ ንወስዶ ኣብ ምግ ዝርከብ ናይ ካርሃይድሬት ዓቐን እውን ተመሳሳሊ ክኸውን ኣለዎ፡፡ ኢንሱሊን ንወስደሉ ሰዓት ተለዋወጢ ብዝኾነ ቁፅሪ፣ ኣብ ሕድሕድ ምግ ንወስዶ ናይ ካርቦሃይድሬት መጠን እውን ንክለዋወጥ ይገብሮ እዩ፡፡

ኣመጋግባ ኣብ ዓይነት 1 ሕማም ሽኮርያ

ምግቢ ኣብ ልዕሊ ኣብ ደምና ዘርከብ ግሉኮዝ ዓቀን ናይ ባዕልቱ ዝኾነ ተፅዕኖ ኣለዎ፡፡ ብምኹዋኑ ድማ ሓደ ሰብ ዝበልዖ ምግቢ ኣብ ጥዕንኡ ዘሕድሮ ነገር ይህልው እዩ፡፡ ንኣብነት ኣብ ልቢን ሱር ደምን፡፡ ኩሉ ሰብ ጥዕንኡ ዝሓለወ ምግ ምብላዕ ኣገዳሲ ከምዝኾኖ ኹሉ፣ ብፍላይ ብዓይነት 1 ሕማም ሽኮርያ ዝሓመሙ ሰባት ድማ ኣዝዮም ክጥንቀቑ ይግባእ፡፡

ዓይነት 1 ሕማም ሽኮርያ ዘለዎም ሰባት ካብ ብክኢላ ስነ ምግቢ ዝበሃዎም ምኽሪን ማዕዳን ብቀንዲ ኣብ ውሽጢ ደም ዝርከብ ናይ ግሉኮዝ ዓቐን ንምቁፅፃርን ጥዕና ልቢን ሱር ደምን ንምክንኻንን ዝበፅሑ ሓደጋታት ንምክልኻልን ይጠቕሞም፡፡ ትኽክለኛ ክኢላ ስነ ምግቢ ድማ ክሕግዘኩም ዝኽእል ሰብ እዩ፡፡

QR code naar deze pagina

QR Code
nl_NLDutch