ሕማም ካርዲዮ ቫስኩላር ንዝተፈላለዩ ናይ ልቢን ሱር ደምን ሕማማት ከም ሓደ ሓፈሻዊ መፀውዒ ንጠቀመሉ እዩ፡፡ ሕማም ካርዲዮቫስኩላር ኣብ ኔዘርላንድስ እቲ ቀንዲ ንሞት ዘቃልዕ ሕማም እዩ፡፡
መብዛሕትኡ ጊዜ ፅበት ሱር ደም ንሕማም ካርዲዮቫስኩላር እቲ ቀንዲ ሰንኪ እዩ፡፡ ፅበት ሱር ደም ብኣጋ ንእስና ዕድመ ክጅምር ይኽእል እዩ፡፡ ብውፅኢቱ ድማ፣ ናይ ሕማም ካርዲዮቫስኩላር ፀገማት ምልክት ክሳብ ዝረአይ ብዙሕ ዓመታት ክወስድ ይኽእል እዩ፡፡ ንኣብነት፣ ብምኽንያት ቅርቃብ ወይ ከዓ ምዕባስ መትረብ ደም ልብና ወይ ከዓ ኣርተሪ (ኣቴሮስክሌሮሲስ)፣ ኣብ እግርና ዝርከቡ ደም ሱራት ተሪር ክኾኑ ይኽእሉ እዮም፡፡ ብምኹዋኑ ድማ ኣብ ውሽጢ ደም ሱርና ብእኹል ደም ክዛወር አይኽእልን እዩ፡፡ ብውፅኢቱ ከዓ፣ ንዝተፈላለዩ ሰብነት ኣካልናን ንጭዋዳናን እኹል ዝኾነ ናይ ኦክስጅን ቀረብ ሕፅረት የጋጥም፡፡
እቶም ብብዝሓት ዝተለመዱ ሕማም ካርዲዮቫስኩላር ዓይነታት ልቢ ድኻምን ስትሮክን እዮም፡፡ ኣብ 2016 ኣስትታት 739,800 ዝኾኑ ሰባት ብልቢ ድኻምን፣ 451,900 ዝኾኑ ሰባት ድማ ስትሮክ ነይርዎም፡፡
ኣብ ኔዜርላንድስ ካብ ካንሰር ቀጺሉ ሕማም ካርዲዮቫስኩላር እቲ ኣገዳሲ ምኽንያት ሞት እዩ፡፡ ኣብ ኔዘርላንድስ ካብ ሓፈሻዊ ሞት፣ እቲ 30 % ብምኽንያት ሕማም ካርዲዮቫስኩላር ዝበፅሕ እዩ፡፡ በብዓመቱ ኣስትታት 40,000 ኬዝ ይመዝገቡ እዮም፡፡ እቲ ቁፅሪ ከዓ ኣብ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዳርጊ ፍርቂ ፍርቂ ማዕረ ይበፅሖም፡፡ መብዛሕቲኦም ብምኽንያት ሕማም ካርዲዮቫስኩላር ካብ ዝሞቱ ሰባት እቶም 85 ሚእታዊ ልዕሊ 65 ዕድመ ዝገበሩ ኣረጋውያን እዮም፡፡
ካብ 1970 ንድሓር፣ ብምኽንያት ሕማም ካርዲዮቫስኩላር ዝሞቱ ሰባት ቁፅሪ እንዳነከየ መፅዩ እዩ፡፡ እዙይ ከዓ ብምኽንያት ምንካይ ሽጋራ ምስታይን፣ ስብሒ ዘለዎም ነገራት ካብ ኣመጋግባ ብምውጻእን ብፍላይ ድማ ብ 1990ታት ናይ እቲ ማሕበረሰብ ጥዑይ ዝኾነ ሜላ መነባብሮ ምትግባር ምስ ጀመረ እዩ፡፡ ንዓቐን ኮሌስትሮል ወይ ንደም በዝሒ ዝኣመሳሰሉ ናይ ካርዲዮቫስኩላር ጥዕና ፀገማት ክንክዩ ዝኽእሉ መድሓኒታት ምምሃዝን ከም ኣንጂዮ ፕላስቲ ዝኣመሰሉ ሕማም ልቢ ንምሕካም ዘኽእሉ ዝተመሓየሹ ናይ ሕክምና ሜላታት ናይ ባዕልቶም ዓብዪ ዝኾነ ግደ ይፃወቱ እዮም፡፡
እዞም ስዒቦም ዘለዎ ንሓደጋ ተቓላዕነተ ሕማም ካርዲዮቫስኩላር ዝውስኹ ኩነታት ምኹዋኖም ሰፋሕትን ናይ ነዊሕ እዋን መፅናዕትታት ይሕብሩ፡
ብዘርኢ ዝመሓላለፉ ነገራት እውን ንሕማም ካርዲዮቫስኩላር ተቓላዕነት ዘጋልፅ ሓደ ምኽንያት እዩ፡፡ ኣቐዲሙ ብዘርኢ ዝመሓላለፍ ፀገም ናይ ምልካም ዕድልና ብ60 ሚእታዊ ይውስኽ፡፡ ካብ ውሽጢ ዘርአና ብቲ ሕማም ዝተለኸፈ ሰብ እንተሃልዩን ቅድም ኢሉ ክንወለድ እንከለና እንተተማሓላሊፉና፣ ኣብ ውሽጢ ደምና ዝርከብ ናይ ኤል.ዲ.ኤል (LDL) ኮሌስትሮል ዓቀን፣ ንሕማም ካርዲዮቫስኩላር ተቓላዒነትና ይውስኾ እዩ፡፡ ንኣብነት፣ ኣብ ውሽጢ ኔዘርላንድስ ካብ 300 ሰባት እቲ 1 ብምኽንያት ካብ ዘርኢ ምምሕልላፍ፣ ንሕማም ካርዲዮቫስኩላር ከቃልዖ ዝኽእል ኣብ ውሽጢ ደሙ ናይ ኤል.ዲ.ኤል (LDL) ኮሌስትሮል ዓቀን ምውሳኽ ክህልዎ ይኽእል እዩ፡፡ ካብቶም 5 ናይ ልቢ ሕሙማት እቲ 1 ብዘርኢ ዝመፅአ ልዑል ዝኾነ ናይ ስብሒ ዓቐን ኣብ ውሽጢ ደሙ ክርከብ ይኽእል፡፡ ካልኦት ናይ ጄኔቲክ ወይ ከዓ መፋጥራዊ ጉድለታት እውን ናይ ባዕልቶም ግደ ክህልዎም ይኽእል እዩ፡፡ ኮይ ግና እዚኦም ነገራት ክሳብ ሕጂ ንፁር ስለዘይኮኑ መፅናዕቲ እንዳተገበረሎም ይርከብ፡፡ መብዛሕትኡ ጊዜ ሕማም ካርዲዮቫስኩላር ብሓፈሻ ዝተፈላለዩ መበገስታት ኣለውዎ፡፡
ደቂ ሰባት ጥዕንኡ ዝተሓለወ ምግቢ ብምብላዕ ንተቓላዕነት ሕማም ካርዲዮቫስኩላር ምንካይ ይኽእሉ እዮም፡፡ ምግብታትን፣ ኣብ ውሽጢ ምግቢ ዝርከቡ ንጥረ ነገራትን ዘለዎም ሳዕቤናት ቤት ምኽሪ ጥዕና ገምጊምዎ ኣሎ፡፡ ብምኹዋኑ ድማ ንተቓላዕነት ሕማም ካርዲዮቫስኩላር ዝቕንሱ ዝተወሰኑ ምግቢታት ወይ ከዓ ናይ ምግቢ ንጥረ ነገራት ምህላዎም እቲ ውፅኢት ይሕብር፡፡ ከምኡ ድማ ብተመሳሳሊ ተቓላዕነት ሕማም ካርዲዮ ቫስኩላር ዝውስኹ ምግብታት ከም ዘለዎ እውን የመላኽት፡፡
ምግቢ ወይ ከዓ ንጥረ ነገር | ንተቓላዕነት ዝውስኾ ሓደጋ |
ትራንስ ፋቲ ኣሲድ (Trans fatty acids) | ሕማም ልቢ |
ቀይሕ ስጋ | ስትሮክ |
ዝተሰርሐ ስጋ ወይ ከዓ ኣብ ፋብሪካ ፕሮሰስ ዝተግብረ ስጋ | ስትሮክ |
ተቓላዕነት ይንክይ | |
ዝተኣከበ ስብሒ (saturated fatty acids) ዘለዎም ምግብታት ብስብሒ ዘይበዝሖም ምግብታት (polyunsaturated fatty acids) ምልዋጥ | ሕማም ልቢ |
ኣሕምልቲ | ሕማም ልቢ |
ስትሮክ | |
ፍራምረ | ሕማም ልቢ |
ስትሮክ | |
ጥራምረ እኽልን ናይ እኽሊ ውፅኢታት | ሕማም ልቢ |
ፋይበር ዝበዝሖም ምግብታት (ኩሎም) | ሕማም ልቢ |
ስትሮክ | |
ኦቾሎኒን ጥራምረን | ሕማም ልቢ |
ዓሳ | ሕማም ልቢ |
ስትሮክ | |
ዓሳ ስብሒ ኣሲድ (fatty acids) EPA+DHA | ሕማም ልቢ |
ፖታሽየም | ስትሮክ |
ቡና (ዝተፃረየ ቡና) | ሕማም ልቢ |
ስትሮክ | |
ፀሊምን ቆፅለቀዋይን ሻሂ | ስትሮክ |
ኣብ ሞንጎ ኣልኮልን ሕማም ካርዲዮቫስኩላርን ዘሎ ርክብ ከም ፅቡን ሕማቕን ኢልና ክንፈልዮ ንኽእል ኢና፡፡ ውሱን መጠን ዘለዎ ኣልኮል (ኣብ መዓልቲ 15 ግራም ኣልኮል ማለት ድማ 1.5 ዝኸውን ብርጭቆ) ምውሳድ ንሕማም ካርዲዮቫስኩላር ተቓላዕነትና ይንክይ እዩ፡፡ ኮይኑ ግና ልዑል ዝኾነ ኣልኮል ምውሳድ ብ ስትሮክ ናይ ምጥቃዕ ዕድልና ዝሰፍሐ እዩ፡፡ ንዝበለፀ ሓበሬታ ኣልኮል ዝብል ኣርእስቲ ኣንብቡዎ፡፡
ብመሰረት 'Schijf van Vijf' ጥዕንኡ ዝተሓለወ ኣመጋግባ፣ ጥዑይ ኣካላዊ ክብደትን ጥዕንኡ ዝሓለወ መነባብሮ ምስ እኹል ኣካላዊ ምንቅስቓስ፣ ዘይምጭናቕን ሽጋራ ዘይምስታይን ንሕማም ካርዲዮቫስኩላር ምቅላዕ ዕድልና ዝወሓደ እዩ፡፡
ኣብ ሱር ደምኩም ናይ ምትራር ወይ ከዓ ቅርቃብ ምልክት ኣለኩም ዶ? ደም በዝሒ ኣለኩም ዶ? ስትሮክ ወይ ከዓ ልቢ ድኻም ኣጋጢምኩም ይፈልጥ ዶ? መብዛሕትኡ እዋን ካብ መድሓኒት ብተወሳኺ፣ ጥዑይ ኣመጋግባ ሓደ ካብቶም ናይ ሕክምና ፕሮግራማት እዩ፡፡ ጥዑይ ኣመጋግባ ኣካልና ንምክንኻንን ኣካላዊ ብቕዓት ንክስምዐናን ይገብር፡፡ ከይዲ ሕክምናኹም ባዕልቱ እቲ ሓኪምኩም ክትትል ስለዝገብረልኩም፣ ዓቐን ኮሌስትሮል ወይ ከዓ ደም በዝሒ ንምንካይ ዘድሊ መደሓኒት ከምዘድልየኩም ባዕልቱ ከምርምረኩም እዩ፡፡ ሓኪምኩም ናብ ክኢላ ስነ ምግቢ ክልእኸኩም ይኽእል እዩ፡፡
ከምኡውን፣ ከም ስቴሮል ወይ ከዓ ስታኖል ዝኣመሰሉ ናይ ኣትክልቲ ውፅኢት ዘለዎም ከም ናይ ባኒ ጠስሚን (ማርጋሪን) ዝስተ ርጉኦን ብ ሓኪምኩም ትእዛዝ ጥራሕ ውሰዱ፡፡