ርጉዲ ወይ ከዓ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ምርጓድ ማለት ሓደ ሰብ ኣብ ንነዊሕ እዋን ካብቲ ኣካሉ ዘውጽኦን ዘቃጽሎን ሓይሊ ንላዕሊ ብምብላዕ ይኹን ብምስታይ ብዙሕ ሓይሊ ከዋህልል እንከሎ እዩ፡፡ ርጉድን ካብ ዓቐን ንላዕሊ ምርጓድን ኣብ ኣካልና ብዝሓት ዘለዎ ስብሒ እንተተዋህሊሉ እዩ ዘጋጥም፡፡ እዚ ስብሒ እዚ ከዓ ንጥዕና ጠንቂ እዩ፡፡
ካብ ዓቐን ንላዕሊ ዝኾነ ርጉዲ ንክፍጠርን ክብደት ንምቕናስ ንከይንኽእልን ዝገብሩ ዝተፈላለዩ ምኽንያታት ናይ ባዕልቶም እጃም ኣለዎም፡፡ እዚኦም ድማ ንርጉዲ ዘጋልፅ ከባቢ ፣ ውልቃዊ ምኽንያትን ናይ ዘርኢ ፅዕንቶን እዮም፡፡
ሓይሊ-ዝበዝሖ ምግቢ ሙሉእ መዓልቲ ኣብ ጥቓና ምርካብ ቀሊል ክኸውን እንከሎ፣ ብተደጋጋሚ ነቲ ምግቢ ናይ ምብላዕን ምስታይን ድልየትና ክውስኽ ይኽእል እዩ፡፡ ከምኡ ድማ መብዛሕትኡ ጊዜ ናይ ህዝቢ መጓዓዝያ ብቐሊሉ ምርካብ ስለ ዝክኣል ምንቅስቓስ ናይ ምግባር ዕድልና ዝተሓተ እዩ፡፡
መብዛሕትኡ ሰብ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣካላዊ ክብደት ውስኽ፡፡ ንኣብነት ጥዕንኦም ዘይተሓለዉ ምግብታት
ሓደ ሓደ እዋን ብስድራ ኣቢሉ ርጉዲ ክመሓላለፍ ይኽእል እዩ፡፡ ብዘርኢ ርጉዲ ዝመሓላለፎም ሰባት እንድሕር ውሕድ ምንቅስቓስ ጥራሕ እንዳገበሩ ምግቢ ብበዝሒ ዝበልዑ እተኾይኖም.ንካb ዓቐን ዝሓለፈ ርጉዲ ንቐሊሉ ይጋለፁ፡፡ ክብደት ንምቕናስ እውን ኣዝዩ ኣፀጋሚ ክኾኖም ይኽእል እዩ፡፡
ካብ ካልኦት ነገራት ብተወሳኺ ሕፅራት ድቃስ መልዐሊ ርጉዲ ክኸውን ይኽእል እዩ፡፡ ምኽንያቱ ድማ ውሑድ ድቃስ ወይ ከዓ ፈጺምካ ዘይመድቃስ፣ ኣብ ልዕሊ ንወስዶ ሓይሊ ፅዕንቶ ኣለዎ እዩ፡፡ ንነዊሕ እዋን ዝፀንሕ ጭንቂ (ዘየቋርጽ ሻቐሎ) ኣብ ከብዲና ከባ ንዝህልው ናይ ስብሒ ንምውሳኽ፣ ናይ ምግቢ ምርጫና ንምቕያር ምኽንያት ክኸውን ይኽእል እዩ፡፡ እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ፣ ጭንቀት ውሑድ ዝኾነ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክንገብር ስለዝገብረና እዩ፡፡ ብሓፈሻ ርጉዲን፣ ካብ ዓቀን ንላዕሊ ምርጓድን ብ ስነ ኣእምሮኣዊን ብአካላዊ ምኽንያት ክመጽእ ዝኽእል እዩ፡፡
ቢ.ኤም.ኣይ (BMI) ኣካላዊ ክብደትና ምስ ንዋሕትና ዘለዎ ርክብ ንልክዐሉ መንገዲ እዩ፡፡ ቢ.ኤም.ኣይ (BMI)፣ ብኪሎግራም ዝልካዕ ኣካላዊ ክብደትና ምስ ትርብዒት ንዋሕትና ክምቀል እንከሎ ዝህብና ቀመር እዩ፡፡ ንበል 80 ኪሎ ዝምዝን ኣካላዊ ክብደትን 1.70 ሜትሮ ዝኾነ ንዋሕትን ኣለኩም፡፡ ቀመር ቢ.ኤም.ኣይ (BMI) ድማ 80/(1.70x1.70) = 27.7 ይኸውን፡፡
ካብ ዓቐን ንላዕሊ ንዝኾነ ርጉዲ ዝተፈላዩ ገደባት ኣለውዎ፡
ፀገም ቀመር ቢ.ኤም.አይ ኣብ ኣካልና ክንደይ ስብሒ ከምዘሎ ክሕብረና ኣይክእልን እዩ፡፡ ብምኹዋኑ ድማ፣ ናይ ጥዕና ሓደጋ ንምፍላይ ዙሪያ ሽንጢ ምልካዕ ተወሳኺ ረብሓ ኣለዎ፡፡
ካብ ቢ.ኤም.ኣይ ቀመር ብተወሳኺ ልክዒት ዙሪያ ሽምጢ ኣብ ኣካልና ክንደየናይ ስብሒ ከምዘሎ ንምፍላጥ ይሐግዘና፡፡ ኣብ መዓንጣና ከባቢ ዝርከብ ስብሒ ንጥዕናና ሓደጋ እዩ፡፡ ርጉዲ ሀልይኩም ኮይኑ ግና ፅቡቕ ዙሪያ ሽንጢ ኣለኪም ዶ እንድሕር ከምኡ ኾይኑ፣ርግፀኛ ንምኹዋን ምስ ሓኪም ቆጾሮ ንኽትገብሩ ንመክር፡፡
ልክዒት ዙሪያ ሽንጢ ደቂ ተባዕትዮ | ልክዒት ዙሪያ ሽንጢ ደቂ ኣንስትዮ | |
ዓብዪ | ኣብ ሞንጎ 94 ን 102 ሴንቲ ሜትሮ ልክዒት ዘለዎ ዙሪያ ሽንጢ | ኣብ ሞንጎ 80 ን 88 ሴንቲ ሜትሮ ልክዒት ዘለዎ ዙሪያ ሽንጢ |
ብጣዕሚ ዓብዪ | ልዕሊ 102 ሴንቲ ሜትሮ ልክዒት ዘለዎ ዙሪያ ሽንጢ | ልዕሊ 88 ሴንቲ ሜትሮ ልክዒት ዘለዎ ዙሪያ ሽንጢ |
ኣብ ቆልዑት ልክዒት ዙሪያ ሽንጢ ናይ ዝኾነ ዓይነት ካኦት ሕክምናታት ኣብ ልዕሊ እቲ ቖልዓ ዘለዎ ፅዕንቶ ንምፍላጥ ጥራሕ እዩ ዝጠቅም፡፡ ልዕሊ 70 ዕድመ ንዝመልኦም ኣረጋውያን ብስምምዕ ዝተቐመጠ ዝተፀንዐ ልክዒት ዙሪያ መዓንጣ ትሑት ዓቐን ስለዘለዎ ብጥንቃቐ ክንወስዶ ይግባእ፡፡ ሓባራዊ ስምምዕ ነጥቢ መልክዒ እዚ ልክዒት እኹል ገይሩ ኣይተመዝገበን፡፡ ልክዕ ከም ቢ.ኤም.ኣይ ቀመር ኣብ ደቡባዊ እስያ ንዘለዉ፣ ቻይናያንን ጃፓናውያንን ሰባት ትሑት ዝኾነ መለክዒ ቁፅሪ እዩ ዘለዎም፡፡ ንዞም ሰባት እዚኦም ልክዒት ዙሪያ መዓንጣ ን ኣወዳት ልዕሊ 90 ሲንቲሜትሮ እንትኸውን እዚ ድማ ብጣዕሚ ልዑል ቁፅሪ እዩ፡፡ ንደቂ ኣንስትዮ ድማ ልዕሊ 80 ሴንቲሜትር እዩ፡
ረጒድ ምኹዋን እዞም ዝስዕቡ ናይ ጥዕና ፀገማት ኣለውዎ
ርጉዲ ዘለዎም ሰባት ካብ ጥዕንኡ ዝሓለወ ኣካላዊ ክብደት ዘለዎም ሰባት ንላዕሊ ጥዕንኦም ኣብ ሓደጋ ይርከብ፡፡ እቲ ርጉዲ ብጣዕሚ ብዝወሰኸ ቑፅሪ እቲ ናይ ጥዕና ፀገም ሓደጋ እውን በኡ ልክዕ እንዳወሰኸ ይኸይድ፡፡ ኣብ ሽንጦም ወይ ከዓ መዓንጣኦም ብዙሕ ስብሒ ዘለዎም ሰባት ድማ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ናይ ጥዕና ሓደጋ ኣለዎም፡፡ ከም ሕማም ካርዲዮቫስኩላርን ዓይነት 2 ሕማም ሽኮርያን ዝኣመሰሉ ዓብዪ ናይ ጥዕና ሓደጋታት፡፡
ጥዕንኡ ዝሓለወ ኣመጋግባን ኣካላዊ ምንቅስቃስ ምግባርን ዘየድሊ ርጉዲ ንምክልኻልን ጥዕናና ንምሕላውን ዓብዪ ግደ ኣለዎም፡፡ ክብደት ዝቐነሱ ሰባት እቲ ክብደቶም መሊሱ ኬወሰኹ ኣብ ዘለዎ ጠጠው ንምባል፣ ኣብ መዓልቲ ብውሕድ ን 60 ደቓይቕ ዝኸውን ከቢድ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክገብሩ ይግባእ፡፡ ክብደት ዝቐነሰ ሰብ እቲ ክብደት ክሳብ መወዳእታ ንዝተረፈ ዕድመኡ ንኬውስኽ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክገብር ይግባእ፡፡
ብጀካ ርጉዲ ተወሳኺ ናይ ጥዕና ፀገማት (ከም ደም በዝሒ፣ ኮሌስትሮል ወይ ከዓ ሽኮርያ) ዘይብሎም ዕድመኦም ካብ 19-69 ዕድመ ዝኾኖም ሰባት፣ ብዘይ ሓገዝ ብባዕልቶም ክብደት ምቕናስ ይኽእሉ እዮም፡፡ ካብ ጠቕላላ ክብደቶም 5 ወይ ከዓ 10 ሚእታዊ ብምንካይ ጥራሕ ናይ ጥዕና ሓደጋታ ምንካይ ይክኣል እዩ፡፡
ጥዕንኡ ዝሓለወ ክብደት ንምሓዝ፣ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምግባርን ውሑድን ጥዑይ ምግብን ምብላዕ እዩ ዘድሊ፡፡ እዙይ እንተዘይተሳኺዕልም ወይ ከዓ ካብቲ ዝነበርኩምዎ እንተገዲድኩምንሓኪምኩም ኣማኽሩ፡፡
ስፍሓት ዙሪያ መዓንጥኦም ዝዓበየ፣ ልዑል ኮሊስትሮል፣ ደም በዝሒ፣ ሽኮሪያ፣ ሕማም ካርዲዮቫስኩላር፣ ኣብ እዋን ድቃስ ምዝባእ ናይ ምትንፋስ ፀገም ዘለዎም ወይ ከዓ ናይ መዓንጣ ሕቖ (ኦስትዮኣርትራይቲስ) ዘለዎም ኣብ ሞንጎ 19-69 ዕድመ ዝርከቡ ሰባት ክብደት ብባዕልቱም ንክቕንሱ ኣይምከርን፡፡ ናብ ሓኪሞም ክኸዱ ይግባእ፡፡ እዚ ኹነታት ዓቐን ዝሓለፈ ርጉዲ ንዘለዎም ሰባ እውን ይምልከት እዩ፡፡ ናብ ሓኪም ክትኸዱ ዝግበኣሉ ምኽንያት ነዚ ሕማም መበገሲ ዝኾኑ ነገራ ንምፍላጥን ቀጼሉ እንታይ ክትገብሩ ከምዝግባእ ንምስምማዕን እዩ፡፡
መድሓኒት ምውሳድ ትኽእሉ ድሕሪ ሓኪም ምስ ኣማኸርኩም ጥራሕ እዩ፡፡ እቲ ሓኪም ንምድሓን ክሕግዘኩም ዝኸእል መድሓኒት ክእዝዘልኩም እዩ፡፡ መጥባሕቲ እቲ ናይ መወዳእታ መማረጹ እዩ፡፡ መጥባሕ ቅድሚ ምክያዱ ድማ እቲ ተሓካሚ ንመጥባሕቲ ብቑዕ ምኹዋኑን ዘይምኹዋኑን ንምፍላጥ ብዙሕ ምርመራ ክግበረሉ እዩ፡፡
ሓደ ቖልዓ ካብ ዓቐን ንላእሊ ረጒድ እተኾይኑ፣ ብዕልትኹም ክብደት ንክቕንስ ምግባር ኣድላዪ ኣይኮነን፡፡ ቆልዑት ገና ንቀጻሊ ስለዝዓብዩ ተወሳሒ ብዙሕ ሓይሊን ንጥ ነገርን ከድልዮም እዩ፡፡ ብምኹዋኑ ድማ ካብ ዓቐን ንላዕ ርጉዲ ዘለዎም ቆልዑት እቲ ናይ ቤተሰብ ሓኪም፣ ናይ ቆልዑት ክንክን ማእኸል ወይ ከዓ ናይ ቤት ትምርቲ ሓኪም ክምርምሮም ይግባእ፡፡
ልዕሊ 70 ዕድመ ዝገብሩ ኣረጋውያን ቢኤምኣይ ቁፅሮም ልዕሊ 30 ጥራሕ እንተኾይኑን ክብደት ብምቕናሶም ካልኦት ናይ ጥዕና ረብሓታት ዝረኽቡ እንተኾይኖም ጥራሕ እዮም ክብደት ንክቕንሱ ዝምከሩ፡፡ ናይ ኣካልና ጭዋዳ ክብደት እንዳነከየ ብዝፀ ቁፅሪ ሓፈሻ ኣካላዊ ክብደትና እውን ይንክይ እዩ፡፡ ክብደት ጭዋዳና እንዳነከየ ብዝመፀ ቑፅሪ እውን ጥንካረ እንዳቐነሰ እዩ ዝኸድ፡፡ እዚይ ከዓ ንምንቅስቓስ ኣፀጋሚን ናይ ምውዳቕ ሓደጋ ናይ ምውሳኽ ዕድል ይውስኽ፡፡ ልዕሊ 70 ዕድመ ዝመልኦም ሰባ ክብደት ንምቕናስ ሓኪም እንተማኸሩ ዝሓሸ ይኸውን፡፡ እ ሓኪም ድማ ክብደት ምንካይ ኣድላዪ ምኹዋኑን ዘይኁኑን ድሕሪ ምልላይ ናብ ጥዕና ክንክን ዝህብ ትካል ክልእኾም ይኽእል እዩ፡፡