ርጉዲ
ካብ ዓቐን ንላዕ ርጉዲ እንታይ እዩ?
ርጉዲ ወይ ከዓ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ምርጓድ ማለት ሓደ ሰብ ኣብ ንነዊሕ እዋን ካብቲ ኣካሉ ዘውጽኦን ዘቃጽሎን ሓይሊ ንላዕሊ ብምብላዕ ይኹን ብምስታይ ብዙሕ ሓይሊ ከዋህልል እንከሎ እዩ፡፡ ርጉድን ካብ ዓቐን ንላዕሊ ምርጓድን ኣብ ኣካልና ብዝሓት ዘለዎ ስብሒ እንተተዋህሊሉ እዩ ዘጋጥም፡፡ እዚ ስብሒ እዚ ከዓ ንጥዕና ጠንቂ እዩ፡፡
ካብ ዓቐን ንላዕሊ ርጉዲ ብኸመይ ይወስኽ
ካብ ዓቐን ንላዕሊ ዝኾነ ርጉዲ ንክፍጠርን ክብደት ንምቕናስ ንከይንኽእልን ዝገብሩ ዝተፈላለዩ ምኽንያታት ናይ ባዕልቶም እጃም ኣለዎም፡፡ እዚኦም ድማ ንርጉዲ ዘጋልፅ ከባቢ ፣ ውልቃዊ ምኽንያትን ናይ ዘርኢ ፅዕንቶን እዮም፡፡
ሓይሊ-ዝበዝሖ ምግቢ ሙሉእ መዓልቲ ኣብ ጥቓና ምርካብ ቀሊል ክኸውን እንከሎ፣ ብተደጋጋሚ ነቲ ምግቢ ናይ ምብላዕን ምስታይን ድልየትና ክውስኽ ይኽእል እዩ፡፡ ከምኡ ድማ መብዛሕትኡ ጊዜ ናይ ህዝቢ መጓዓዝያ ብቐሊሉ ምርካብ ስለ ዝክኣል ምንቅስቓስ ናይ ምግባር ዕድልና ዝተሓተ እዩ፡፡
መልዐሊ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ርጉዲ
መብዛሕትኡ ሰብ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣካላዊ ክብደት ውስኽ፡፡ ንኣብነት ጥዕንኦም ዘይተሓለዉ ምግብታት
- ብምብላዕን ብምስታይን፡
- ኣብዚሕኻ ብምብላዕ
- ኣብ ውሽጦም ብዙሕ ሓይሊ ዘለዎም ምግብታት ብበዝሒ ምብላዕ
- ኣብ ሞንጎ ምግቦታት ጠልቆምቆም እንዳበልካ ብዙሕ ምብላዕ
- ከም ለስላሳን ፅሟቕን ዝኣመሰሉ ምዉር ነገራ ምስታይ
- ካብ ዓቐን ንላዕሊ ኣልኮል ምስታይ፡፡ ኣልኮል መስተታ ኣብ ውሽጦም ብዙሕ ካሎረ ኣለዎም እዩ፡፡ ብምኹኑ ድማ በዝሒ ዘለዎ ኣልኮል ምስታይ ካብ ዓቐን ንላዕ ርጉዲ ክህልወና ክገብር ይኽእል እዩ፡፡
- ሓሳብና ተበቲኑ እንከሎ ምብላዕ (ንኣብነት ቴሌቪዥን እንዳረአኻ ምብላዕ) ኣካልና ካብ ዘድልዮ ንላዕሊ ከይሓሰብናዮ ብዙሕ ክንበልዕ ክገብረና ይኽእል እዩ፡፡
- ብምኽንያት ሕማም፣ መጉዳእቲ ወይ ከዓ ሕፅረት ጊዜ ውሑድ ዝኾነ ኣካላዊ ምንቅስቓስን ስፖርት ምግባር
- ብምኽንያት ሓዳር፣ ምውላድ፣ ስራሕ ምስኣንን ጡሮታን መነባብሮና ክቕየር ስለዝኽእል፡፡
- ሽጋራ ምስታይ ምቁራፅ፡፡ ይኹን ደኣምበር ሽጋራ ምስታይ ምቁራጽ ንጥዕናኹም ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ፡፡ ስለዝኾነ ድማ ድሕሪ ምቁራፅኩም ኣድላዪ እንተኾይኑ ክብደት ምእንቲ ክትቕንሱ ንሓኪምኩም ኣማኽሩ፡፡
- ድሕሪ እዋን ጥንሲ፣ ናብቲ መጀመሪያ ቅድሚ ጥንሲ ዝነበረኪ ክብደት ንምምላስ ከቢድ እዩ፡፡ ብፍላይ ድማ ክትውስኽዮ ካብ ዝግበአኪ ንላዕሊ እንድሕር ወሲኽኪ፡፡
- ኣካላዊ ክብደት ንክንውስኽ ዝገብሩ ገለገለ ናይ መድሓኒት ዓይነታ እውን ኣለዉ፡፡
- ከም ሓደጋ ኣጋጣምታትን ናይ ሓንጎል ስምባደ ዝኣመሰሉ ናይ ኣእምሮ ፀገማት ናይ ምብላዕ ድልየትና ክውስኽዎ ይኽእሉ እዩም፡፡ ብተወሳኺ ድማ፣ ኣብ ኣብ ሞንጎ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ርጉዲን ምልክታትት ጭንቀት ዘራኽቦም ነገራት ዘሎ ይመስል፡፡
ናይ ዘርኢ ወይከዓ ጄኔቲክ ፅዕንቶ ኣብ ርጉዲ
ሓደ ሓደ እዋን ብስድራ ኣቢሉ ርጉዲ ክመሓላለፍ ይኽእል እዩ፡፡ ብዘርኢ ርጉዲ ዝመሓላለፎም ሰባት እንድሕር ውሕድ ምንቅስቓስ ጥራሕ እንዳገበሩ ምግቢ ብበዝሒ ዝበልዑ እተኾይኖም.ንካb ዓቐን ዝሓለፈ ርጉዲ ንቐሊሉ ይጋለፁ፡፡ ክብደት ንምቕናስ እውን ኣዝዩ ኣፀጋሚ ክኾኖም ይኽእል እዩ፡፡
ናይ ድቃስን ጭንቀትን ግደ ኣብ ልዕሊ ርጉዲ
ካብ ካልኦት ነገራት ብተወሳኺ ሕፅራት ድቃስ መልዐሊ ርጉዲ ክኸውን ይኽእል እዩ፡፡ ምኽንያቱ ድማ ውሑድ ድቃስ ወይ ከዓ ፈጺምካ ዘይመድቃስ፣ ኣብ ልዕሊ ንወስዶ ሓይሊ ፅዕንቶ ኣለዎ እዩ፡፡ ንነዊሕ እዋን ዝፀንሕ ጭንቂ (ዘየቋርጽ ሻቐሎ) ኣብ ከብዲና ከባ ንዝህልው ናይ ስብሒ ንምውሳኽ፣ ናይ ምግቢ ምርጫና ንምቕያር ምኽንያት ክኸውን ይኽእል እዩ፡፡ እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ፣ ጭንቀት ውሑድ ዝኾነ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክንገብር ስለዝገብረና እዩ፡፡ ብሓፈሻ ርጉዲን፣ ካብ ዓቀን ንላዕሊ ምርጓድን ብ ስነ ኣእምሮኣዊን ብአካላዊ ምኽንያት ክመጽእ ዝኽእል እዩ፡፡
ሓደ ሰብ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ርጒድ እዩ ዝበሃል መዓዝ እዩ ?
ቢ.ኤም.ኣይ (BMI) ኣካላዊ ክብደትና ምስ ንዋሕትና ዘለዎ ርክብ ንልክዐሉ መንገዲ እዩ፡፡ ቢ.ኤም.ኣይ (BMI)፣ ብኪሎግራም ዝልካዕ ኣካላዊ ክብደትና ምስ ትርብዒት ንዋሕትና ክምቀል እንከሎ ዝህብና ቀመር እዩ፡፡ ንበል 80 ኪሎ ዝምዝን ኣካላዊ ክብደትን 1.70 ሜትሮ ዝኾነ ንዋሕትን ኣለኩም፡፡ ቀመር ቢ.ኤም.ኣይ (BMI) ድማ 80/(1.70×1.70) = 27.7 ይኸውን፡፡
ካብ ዓቐን ንላዕሊ ንዝኾነ ርጉዲ ዝተፈላዩ ገደባት ኣለውዎ፡
- ንቖልዑ፣ ካብ 2-18 ዓመት፡ ካብ ዓበይቲ ዝበለፀ ኣብ ቖልዑት ዝተፈላለዩ ናይ ርጉዲ ዓቐናት ኣለዉ፡፡ ቆልዑት ብዘይ ምቁራፅ ይዓብዩ፡፡ ስለዝኾነ ድማ ክብደት፣ ንዋሕትን ቢ.ኤም.ኣይን (BMI) ኣብ ልዕሊ ዕድመ እቲ ቖልዓ ዝተሞርኮዘ እዩ፡፡ ካብ 2 ክሳብ 18 ዓመት ንዝኾኖም ብሄራዊ መለክዒ ንደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስዮን ተዳሊዉ እዩ፡፡
- ንዓበይቲ፣ ካብ 19 ክሳብ 70 ዓመት፡ እንድሕር ውፅኢት ቀመር ቢ.ኤም.ኣይ 25-29.9 እንተኾይኑ ከም ርጉዲ ዝውሰድ እንትኸውን እንድሕር ቢ.ኤም.ኣይ 30 ወይ ድማ ልዕሊኡ እንተኾይኑ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ዝሓለፈ ርዲ እዩተባሂሉ ይሕሰብ፡፡ ኮይኑ ግና ኣብ ግምት ውሽጢ ክነእትዎም ዘለና ነገራት ኣለዉ፡፡
- ካብ እስያ ዝመፅኡ ሰባት (ደቡብ ኤስያ፣ ኢንዶኔዠያ፣ ጃፓን፣ ቻይናን) ብዝሕ ዝበለ ናይ ስብሒ ዓቐን ኣለዎም፡፡ እዚ ኹነታት ካብ ሱሪኔምን ኣንቴሊስ ዝተብሃላ ዓድታት ዝመፅኡ ናይ ኤስያ ዘርኢ ድሕረ ባይታ ዘለዎም ሰባት እውን ይሓውስ እዩ፡፡ ብዚ ምኽንያ ድማ ካብ ልሙ ወጻኢ ናይዞም ሰባት እዚኦም ቢ.ኤም.ኣይን 25 እንተኾይኑ ከም ርጉዲ፣ 27.5 እንተሓሊፉ ድማ ከም ካብ ዓቐን ንላዕ ዝኾነ ርጉዲ ይውሰዱ፡፡
- እንድሕር ብጣዕሚ ሓጺር ወይ ከዓ ነዊሕ እንተኾይንኩም ቀመር ቢ.ኤም.ኣይ ብትኽክል ኣይሰርሕን፡፡
- ኣብ እዋን ጥንሲ ወይ ከዓ ጡብ መጥበዊ ጊዜ ቀመር ቢ.ኤም.ኣይ ኣየተኣማምንን፡፡
- ልዕሊ 70 ዕድመኦም ዝኾኑ ኣረጋውያን ቢ.ኤም.ኣይ ልዕሊ 28 እንድሕር ኣመላኺቱ ከም ርጉዲ ይውሰድ፡፡
ናይ ጥዕና ሓደጋታት ንምልላይ ዓቐን ዙሪያ ሽንጢ ወይ ከዓ መዓንጣ ወሳኒ እዩ
ፀገም ቀመር ቢ.ኤም.አይ ኣብ ኣካልና ክንደይ ስብሒ ከምዘሎ ክሕብረና ኣይክእልን እዩ፡፡ ብምኹዋኑ ድማ፣ ናይ ጥዕና ሓደጋ ንምፍላይ ዙሪያ ሽንጢ ምልካዕ ተወሳኺ ረብሓ ኣለዎ፡፡
ካብ ቢ.ኤም.ኣይ ቀመር ብተወሳኺ ልክዒት ዙሪያ ሽምጢ ኣብ ኣካልና ክንደየናይ ስብሒ ከምዘሎ ንምፍላጥ ይሐግዘና፡፡ ኣብ መዓንጣና ከባቢ ዝርከብ ስብሒ ንጥዕናና ሓደጋ እዩ፡፡ ርጉዲ ሀልይኩም ኮይኑ ግና ፅቡቕ ዙሪያ ሽንጢ ኣለኪም ዶ እንድሕር ከምኡ ኾይኑ፣ርግፀኛ ንምኹዋን ምስ ሓኪም ቆጾሮ ንኽትገብሩ ንመክር፡፡
ልክዒት ዙሪያ ሽንጢ ደቂ ተባዕትዮ | ልክዒት ዙሪያ ሽንጢ ደቂ ኣንስትዮ | |
ዓብዪ | ኣብ ሞንጎ 94 ን 102 ሴንቲ ሜትሮ ልክዒት ዘለዎ ዙሪያ ሽንጢ | ኣብ ሞንጎ 80 ን 88 ሴንቲ ሜትሮ ልክዒት ዘለዎ ዙሪያ ሽንጢ |
ብጣዕሚ ዓብዪ | ልዕሊ 102 ሴንቲ ሜትሮ ልክዒት ዘለዎ ዙሪያ ሽንጢ | ልዕሊ 88 ሴንቲ ሜትሮ ልክዒት ዘለዎ ዙሪያ ሽንጢ |
ኣብ ቆልዑት፣ መናእሰይን ልዕሊ 70 ዕድመ ዝኾኖም ኣረጋውያን ከምኡ ድማ ዓሌት
ኣብ ቆልዑት ልክዒት ዙሪያ ሽንጢ ናይ ዝኾነ ዓይነት ካኦት ሕክምናታት ኣብ ልዕሊ እቲ ቖልዓ ዘለዎ ፅዕንቶ ንምፍላጥ ጥራሕ እዩ ዝጠቅም፡፡ ልዕሊ 70 ዕድመ ንዝመልኦም ኣረጋውያን ብስምምዕ ዝተቐመጠ ዝተፀንዐ ልክዒት ዙሪያ መዓንጣ ትሑት ዓቐን ስለዘለዎ ብጥንቃቐ ክንወስዶ ይግባእ፡፡ ሓባራዊ ስምምዕ ነጥቢ መልክዒ እዚ ልክዒት እኹል ገይሩ ኣይተመዝገበን፡፡ ልክዕ ከም ቢ.ኤም.ኣይ ቀመር ኣብ ደቡባዊ እስያ ንዘለዉ፣ ቻይናያንን ጃፓናውያንን ሰባት ትሑት ዝኾነ መለክዒ ቁፅሪ እዩ ዘለዎም፡፡ ንዞም ሰባት እዚኦም ልክዒት ዙሪያ መዓንጣ ን ኣወዳት ልዕሊ 90 ሲንቲሜትሮ እንትኸውን እዚ ድማ ብጣዕሚ ልዑል ቁፅሪ እዩ፡፡ ንደቂ ኣንስትዮ ድማ ልዕሊ 80 ሴንቲሜትር እዩ፡
ረጒድ ምኹዋን ኣብ ጥዕናና ዘብፅሖ ሓደጋ እንታይ እዩ?
ረጒድ ምኹዋን እዞም ዝስዕቡ ናይ ጥዕና ፀገማት ኣለውዎ
- ዓይነት 2 ሕማም ሽኮርያ
- ልዑል ደም በዝሒን ሕማም ካርዲዮኣስኩላርን
- ሜታቦሊክ ሲንድረም፣ ወይ ከዓ ናይ ምሕቓቕ ፀገም
- ዝተፈላለዩ ናይ ካንሰር ዓይነታት
- ፀፀር ሓሞት
- ቁጥዐ ወይ ከዓ ምብላይ ኣካል መጋጣጠሚ
- ናይ ምትንፋስ ፀገማት
- ናይ ምርባሕ ፀገማት
- ስነ ኣእምሮኣዊ ፀገgማት
- ኣብ ኣረጋውያን፡ ዕለታዊ ምንቅስቓስ ንክንክይ ይኽእል እዩ፡፡
ርጉዲ ዘለዎም ሰባት ካብ ጥዕንኡ ዝሓለወ ኣካላዊ ክብደት ዘለዎም ሰባት ንላዕሊ ጥዕንኦም ኣብ ሓደጋ ይርከብ፡፡ እቲ ርጉዲ ብጣዕሚ ብዝወሰኸ ቑፅሪ እቲ ናይ ጥዕና ፀገም ሓደጋ እውን በኡ ልክዕ እንዳወሰኸ ይኸይድ፡፡ ኣብ ሽንጦም ወይ ከዓ መዓንጣኦም ብዙሕ ስብሒ ዘለዎም ሰባት ድማ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ናይ ጥዕና ሓደጋ ኣለዎም፡፡ ከም ሕማም ካርዲዮቫስኩላርን ዓይነት 2 ሕማም ሽኮርያን ዝኣመሰሉ ዓብዪ ናይ ጥዕና ሓደጋታት፡፡
ሕክምና ንዓቐን ዝሓለፈ ርጉዲ
ካብ ዓቐን ንላዕሊ ዝኾነ ርጉዲ ብኸመይ ንከላኸሎ?
ጥዕንኡ ዝሓለወ ኣመጋግባን ኣካላዊ ምንቅስቃስ ምግባርን ዘየድሊ ርጉዲ ንምክልኻልን ጥዕናና ንምሕላውን ዓብዪ ግደ ኣለዎም፡፡ ክብደት ዝቐነሱ ሰባት እቲ ክብደቶም መሊሱ ኬወሰኹ ኣብ ዘለዎ ጠጠው ንምባል፣ ኣብ መዓልቲ ብውሕድ ን 60 ደቓይቕ ዝኸውን ከቢድ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክገብሩ ይግባእ፡፡ ክብደት ዝቐነሰ ሰብ እቲ ክብደት ክሳብ መወዳእታ ንዝተረፈ ዕድመኡ ንኬውስኽ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክገብር ይግባእ፡፡
ካልእ ናይ ጥዕና ፀገም ዘይብሉ ርጉዲ (ቢ.ኤም. ኣይ 25-29.9)
ብጀካ ርጉዲ ተወሳኺ ናይ ጥዕና ፀገማት (ከም ደም በዝሒ፣ ኮሌስትሮል ወይ ከዓ ሽኮርያ) ዘይብሎም ዕድመኦም ካብ 19-69 ዕድመ ዝኾኖም ሰባት፣ ብዘይ ሓገዝ ብባዕልቶም ክብደት ምቕናስ ይኽእሉ እዮም፡፡ ካብ ጠቕላላ ክብደቶም 5 ወይ ከዓ 10 ሚእታዊ ብምንካይ ጥራሕ ናይ ጥዕና ሓደጋታ ምንካይ ይክኣል እዩ፡፡
ጥዕንኡ ዝሓለወ ክብደት ንምሓዝ፣ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምግባርን ውሑድን ጥዑይ ምግብን ምብላዕ እዩ ዘድሊ፡፡ እዙይ እንተዘይተሳኺዕልም ወይ ከዓ ካብቲ ዝነበርኩምዎ እንተገዲድኩምንሓኪምኩም ኣማኽሩ፡፡
ካልእ ተወሳኺ ናይ ጥዕነ ፀገማት ዘለዎ ርጉዲን (ቢ.ኤም.ኣይ 25-29.9) ካብ ዓቀን ዝሓለፈ ርጉዲም (ቢ.ኤም.ኣይ≥30)
ስፍሓት ዙሪያ መዓንጥኦም ዝዓበየ፣ ልዑል ኮሊስትሮል፣ ደም በዝሒ፣ ሽኮሪያ፣ ሕማም ካርዲዮቫስኩላር፣ ኣብ እዋን ድቃስ ምዝባእ ናይ ምትንፋስ ፀገም ዘለዎም ወይ ከዓ ናይ መዓንጣ ሕቖ (ኦስትዮኣርትራይቲስ) ዘለዎም ኣብ ሞንጎ 19-69 ዕድመ ዝርከቡ ሰባት ክብደት ብባዕልቱም ንክቕንሱ ኣይምከርን፡፡ ናብ ሓኪሞም ክኸዱ ይግባእ፡፡ እዚ ኹነታት ዓቐን ዝሓለፈ ርጉዲ ንዘለዎም ሰባ እውን ይምልከት እዩ፡፡ ናብ ሓኪም ክትኸዱ ዝግበኣሉ ምኽንያት ነዚ ሕማም መበገሲ ዝኾኑ ነገራ ንምፍላጥን ቀጼሉ እንታይ ክትገብሩ ከምዝግባእ ንምስምማዕን እዩ፡፡
ሕክምናን መጥባሕትን
መድሓኒት ምውሳድ ትኽእሉ ድሕሪ ሓኪም ምስ ኣማኸርኩም ጥራሕ እዩ፡፡ እቲ ሓኪም ንምድሓን ክሕግዘኩም ዝኸእል መድሓኒት ክእዝዘልኩም እዩ፡፡ መጥባሕቲ እቲ ናይ መወዳእታ መማረጹ እዩ፡፡ መጥባሕ ቅድሚ ምክያዱ ድማ እቲ ተሓካሚ ንመጥባሕቲ ብቑዕ ምኹዋኑን ዘይምኹዋኑን ንምፍላጥ ብዙሕ ምርመራ ክግበረሉ እዩ፡፡
ዓቐን ዝሓለፈ ርጉዲ ካብ 2 ክሳብ 18 ዕድመ ኣብ ዘለዎም ቆልዑት
ሓደ ቖልዓ ካብ ዓቐን ንላእሊ ረጒድ እተኾይኑ፣ ብዕልትኹም ክብደት ንክቕንስ ምግባር ኣድላዪ ኣይኮነን፡፡ ቆልዑት ገና ንቀጻሊ ስለዝዓብዩ ተወሳሒ ብዙሕ ሓይሊን ንጥ ነገርን ከድልዮም እዩ፡፡ ብምኹዋኑ ድማ ካብ ዓቐን ንላዕ ርጉዲ ዘለዎም ቆልዑት እቲ ናይ ቤተሰብ ሓኪም፣ ናይ ቆልዑት ክንክን ማእኸል ወይ ከዓ ናይ ቤት ትምርቲ ሓኪም ክምርምሮም ይግባእ፡፡
ዓቐን ዝሓለፈ ርጉዲ ልዕሊ 70 ዕድመ ኣ ዝገበሩ ኣረጋውያን
ልዕሊ 70 ዕድመ ዝገብሩ ኣረጋውያን ቢኤምኣይ ቁፅሮም ልዕሊ 30 ጥራሕ እንተኾይኑን ክብደት ብምቕናሶም ካልኦት ናይ ጥዕና ረብሓታት ዝረኽቡ እንተኾይኖም ጥራሕ እዮም ክብደት ንክቕንሱ ዝምከሩ፡፡ ናይ ኣካልና ጭዋዳ ክብደት እንዳነከየ ብዝፀ ቁፅሪ ሓፈሻ ኣካላዊ ክብደትና እውን ይንክይ እዩ፡፡ ክብደት ጭዋዳና እንዳነከየ ብዝመፀ ቑፅሪ እውን ጥንካረ እንዳቐነሰ እዩ ዝኸድ፡፡ እዚይ ከዓ ንምንቅስቓስ ኣፀጋሚን ናይ ምውዳቕ ሓደጋ ናይ ምውሳኽ ዕድል ይውስኽ፡፡ ልዕሊ 70 ዕድመ ዝመልኦም ሰባ ክብደት ንምቕናስ ሓኪም እንተማኸሩ ዝሓሸ ይኸውን፡፡ እ ሓኪም ድማ ክብደት ምንካይ ኣድላዪ ምኹዋኑን ዘይኁኑን ድሕሪ ምልላይ ናብ ጥዕና ክንክን ዝህብ ትካል ክልእኾም ይኽእል እዩ፡፡