Artrose Eritrees

ኦስትዮኣርትራይቲስ (ናይ መላግቦ ኣካልና ቅርጥማት)

Afbeelding met persoon, person Automatisch gegenereerde beschrijving

ኦስትዮኣርትራይቲስ ናይ መላግቦ ኣካልና ንኽደርቁን ቃንዛ ንክስምዐናን ዝገብር ሕማም እዩ፡፡ ብልሙድ ኣብራኽና፣ ጎሎናን ኣብ ኣእዳውና ዝርከቡ ኣናኡሽተይ መላግቦ ይጉድኡ እዮም፡፡ እዚ ሕማም እቲ ዝተለመደ ናይ ቅርጥማት ዓይነት እዩ፡፡

ብዛዕባ ኦስትዮኣርትራይቲስ

እዚ ሕማም እዚ መላግቦ ኣካልኩም ክጉድኡ እንከለዉ እዩ ዘጋጥም፡፡ መላግቦኹም ባዕልቱ ንባዕልቱ ንምፅጋን ኣብ ዝፍትነሉ እዋን፣ ኣብ ውሽጢ መላግቦኹም ለውጥታት ክህልዉ ይኽእሉ እዮም፡፡ እዞም ለውጥታት ከዓ ናብ ቃንዛን ግትር ምባልን ዝኣመሰሉ ምዕባለታት የምርሕ፡፡

ክልተ ዓይነት ኦስትዮኣርትራይቲስ ኣለዉ

  • ኣብ ቀዳማይ ኦስትዮኣርትራይቲስ፣ ዝፍለጥ መበገሲ ሕማም ወየ ከዓ ጉድኣት የለን፡፡ ብጊዜ ከይዲ ዝመፅእን ብዕድመ ዓበይቲ ንዝኾኑ ሰባት ዘጥቅዕን እዩ፡፡
  • ካልኣይ ኦስትዮኣርትራይቲስ ድማ ምስ ቅድሚ ሕጂ ኣጓኒፉና ዝፈልት ሓደጋ ወይ ከዓ ናይ ጥዕና ፀገም ርክብ ዘለዎ እዩ፡፡ እዘይ ከዓ መብዛሕትኡ ግዘ ንመናእሰያት ዘጥቅዕ እዩ፡፡

ኦስትዮኣርትራይቲስ ንሰባት ብዝተፈላለዩ መንገድታት ከጥቅዕ ይኽእል እዩ፡፡ ከምኡውን ካብ ሓደ መላግቦ ናብ ካልእ መላግቦ ዘብፅሖ ጉድኣት ኣፈላላይ ኣለዎ እዩ፡፡ ሓደ ሓደ እዋን ጊዜ ብዝወሰኸ ቁፅሪ እንዳገደደ ክኸይድ ይኽእል እዩ፤ ይኹን ድኣ እምበር መብዛሕትኡ ጊዜ ዘይክኸውን እውን ይኽእል እዩ፡፡ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ተመሳሳሊ ኩነታት ክፀንሕ ይኽእል እዩ፡፡ ወይ ከዓ እቲ ቃንዛን ተሪር ምኹዋንን ብ ከይዲ ጊዜ እንዳተመሓየሸ ክመጽእ ይኽእል እዩ፡፡

መልዐሊታት ኦስትዮኣርትራይቲስ

ሓደ ሰብ ብኸመይ ኦስትዮኣርትራይቲስ ክሕዞ ከምዝኽእል ንፁር ኣይኮነን፡፡ ዝተፈላለዩ ምኽንያታት እዮም ተባሂሉ ይሕሰብ፡፡ ኮይኑ ግና፣ እዚ ሕማም ናይ ምምዕባል ዕድልም ዝውስኽዎ ዝተፈልጡ ምኽንያታት ኣለዉ፡፡ ካብዞም ንታሕቲ ብዘለዉ ምኽንያታት ኦስትዮኣርትራይቲስ ናይ ምምዕባል ዕድልኩም ሰፊሕ እዩ፡፡

  • ልዕሊ 45 ዕድመ እንተኾኝኩም – ዕድመ ብዝወሰኽኩም ቁፅሪ ናይ ምልካም ዕድልኪም እውን ይውስኽ እዩ
  • ጓል ኣንስተይቲ እንድሕር ኮይንኪ – ወላ እኳ ንደቂ ተባዕትዮ እውን ዘጥቅዕ ሕማም ይኹን መብዛሕትኡ ግዘ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ይስትውዓል እዩ፡፡
  • ካብ ዓቐን ንላዕሊ ርጉዲ እንተሃልይኩም – ሕልፊ ዝኾነ ርጉዲ ኣብ ልዕሊ መገጣጠሚ ኣካልኩም ፃዕቒ ስለ ዝገብረሉን ከምኡ ድማ ካብ ስብሒ ዝበዝሖም ዋህዮታት ዝፍጠር ኬሚካል ምስ ኦስትዮኣርትራይቲስ ርክብ ኣለዎ እዩ፡፡
  • ኣብ ስድራኹም ኦስትዮኣርትራይቲስ ዘለዎ ሰብ እንተሃልዩ
  • ቅድሚ ሕጂ ኣብ መላግቦ ኣካልኩም ጉድኣት በጺሕኩም እንተነይሩ
  • ስራሕኩም ብዙሕ ብኢድ ዝስራሕ ዓይነት እንድሕር ኮይኑ (ወይ ከዓ እንድሕር ቅድሚ ሕጂ ነይሩ)፣ ወይ ከዓ ከም ፀወታ እግሪ ኩዕሶ ዝኣመሰሉ ኣብ ኣብ መላግቦ ኣካልኩም ፃዕቂ ክፈጥር ዝኽእል ናይ ብትርፊ ሰዓትኩም ተዘውትርዎ ነገር እንድሕር ሃልይኩም
  • ንምንቅስቓስን ኣቀማምጣን መላግቦ ኣካልኩም ክጎድእ ዝኽእል ካልእ ናይ ጥዕና ፀገም እንድሕር ሃልይኩም – እዙይ ማለት ብዝሕ ዝበለ ፃዕቂ ኣብ ልዕሊኦም ተሕድሩ ኢኹም ማለት እዩ፡፡

ምልክታት ኦስትዮኣርትራይቲስ

ቀንዲ ምልክታት ኦስትዮኣርትራይቲስ ኣብቲ ዝተጎድአ መላግቦ ኣካልኩም ስምዒት ቃንዛን ግትር ምባልን እዮም፡፡ መላግቦ ኣካልኩም ፈጺሙ ምንቅስቓስ ክኣብየኩም ወይ ከዓ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝሰርሖ ዓይነት ዝነበረ ኮይኑ ዘይክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም፡፡ ሓደ ሓደ እዋን እቲ ስምዒት ቃንዛ ብምስፍሕፋሕ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋል ኣካልኩም ክስመዐኩም ይኽእል እዩ፡፡ ንኣብነት ኣብ ጎሎኹም ኦስትዮኣርትራይቲስ እንድሕር ሃልይኩም፣ ኣብ ሽምጢ፣ ሰለፍ፣ ብርኪን ዓንካር ዓንካሪቶን ናይ ቃንዛ ስምዒት ክስምዐኩም ይኽእል እዩ፡፡

መብዛሕትኡ ጊዜ መላግቦ ኣካልኩም ንምጥቃም ክትደልዩ እንከለኹም ጥራሕ እዩ ስምዒት ቃንዛ ዝህልወኩም፡፡ ዕረፍቲ ክትገብሩ እንከለኹም ድማ ደሓን እዩ ዝስምዐኩም፡፡ ኮይኑ ግና እቲ ቅርጥማት ዝኸፍአ እንተኾይኑ፣ ወላ ዕረፍቲ ወሲድኩም እውን ቃንዛ ክስመዐኩም ይኽእል እዩ፡፡ ኣብ ንጉሆ ወይ ከዓ ዕረፍቲ ምስ ገበርኩም መላግቦ ኣካልኩም መጀመርታ ናይ ድርቕ ናይ ምባል ስምዒት ክስመዐኩም ይኽእል እዩ፣ ኮይኑ ግና እዚ ስምዒት ቀልጢፉ ዝጠፍእ እዩ፡፡

ሓደ ሓደ እዋን ኣብ ጉድኣት ዝበፅሖ መላግቦ ኣካልኩም ሕብጠት ክተስተውዕሉ ትኽእሉ ኢኹም፡፡ ከምኡውን ምንቅስቓስ ኣብ ትግብሩሉ እዋን ናይ ምስብባርን ምድቃቕን ስምዒት ክስምዐኩም ይኽእል እዩ፡፡

ሓደ ሓደ እዋን እዞም ስምዒታት እዚኦም ምስ ካኦት ፀገማት ዝተራኸቡ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም፤ ኮይኑ ግና እንድሕር ነዞም ስምዒታት እዚኦም ኣስተውዒልኩም ተወሳኺ ምኽሪ ንምርካብ ንፊዚዮቴራፒስት ሓኪምኩም ርኸብዎ፡፡

ዓርሰ-ረድኤት

ዕለታዊ መነባብሮኹም ቀሊል ንምግባርን ኣብ መላግቦ ኣካልኩም ዘሎ ስምዒት ቃንዛን ድርቕ ምባልን ምልክታት ብኸመይ ምቕናስን ምምሕያሽን ከምትኽእሉ ሓኪምኩም ከነግረኩም እዩ፡፡ ገለ ካብቶም ቀንዲ ምኽሪታት ስዒቦም ተፃሒፎም ኣለዉ፡፡

  • ስሩዕ ኣካላዊ ምንስቓስ ምልክታት እቲ ሕማም ንክጠፍኡን ናይ ጭዋዳ ጥንካረ ንክተማዕብሉን ይሕግዘኩም እዩ፡፡ ብዛዕባ ኦስትዮኣርትራይቲስ እንዳሃወና ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምግባር ንምፍላጥ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ረኣዩ፡፡
  • ዓቐን ዝሓለፈ ርጉዲ እንድሕር ሃልይኩም፣ ኣመጋግባኹምን ኣካላዊ ምንቅስቓስኩምን ብምቕያር ክብደት ንምቕናስ ፈትኑ፡፡ ዝተወሰነ ክብደት ምቕናስ ኣብ መላግቦ ኣካልኩም ዝህሉ ፃዕቒ ክቕንሶ ይኽእል እዩ፡፡
  • ኣብ ብርክኹም ኦስትዮኣርትራይቲስ እንድሕር ሃልይኩም፣ ፈኲስ፣ ረጒድን ጉዝጓዝ ዘለዎ ሶል ጫማ ምግባር ነቲ ቃንዛ ስምዒት ከጥፍኦ ይኽእል እዩ፡፡
  • ካብቲ ቃንዛ ንምሕዋይ ውዑይ ጨርቂ ወይ ከዓ በረድ ጉዝጓዝ ተጠቐሙ፡፡ እዚኦም ክልቲኦም ብቐጥታ ናብ ቆርበትኩም ከይተዕልብዎም፡፡ ምኽንያቱ ንቆርበከትኩም ክጉድእዎ ወይ ከዓ ከቃፅልዎ ይኽእሉ እዮም፡፡ መጀመርታ ብሽጎማነ ጠቕልልዎም፡፡

ኣካላዊ ምንቅስቓስን ኦስትዮኣርትራይቲስ

ክንዲ ዝኽኣልኩምዎ ብስሩዕ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምግባር፣ ሓደ ኣዝዩ ረብሓ ዘለዎ ነገር እዩ፡፡ ኣካላዊ ምንቅስቓስ መላግቦ ኣካልኩም ስርሖም ብግቡእ ንክቕፅሉን ቃንዛ ንምንካይን ይጠቅም እዩ፡፡ ከምኡውን ናይ ጭዋዳ ጥንካረ ንምውሳኽን ብቕዓት ንምምሓይሽን ይጠቅም እዩ፡፡

ሓደ ሓደ እዋን እቲ ሓኪም ቅርጺ ዘለዎ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ንክትብሩ ክሕብረኩም ይኽእል እዩ፡፡ ካልእ ጊዜ ድማ ክትፍትንዎም ትኽእሉ ሓደ ሓደ ምኽርታት ክምዕድኹም ይኽእሉ እዮም፡፡ እቲ ቀንዲ ኣገዳሲ ነገር ኩሉ ጊዜ ክትገብርዎ ትኽእሉን ትፈትውዎ ነገር ምእላሽ እዩ፡፡

እዞም ዝስዕቡ ሓዊስኩም ዝተፈላለዩ ኣካላዊ ምንቅስቓሳት ንምግባር ፈትኑ፡

  • ናይ ጥንካረ ኣካላዊ ምንቅስቓሳት – ናይ ጭዋዳኹም ጥንካረ ንምውሳኽን መላግቦ ኣካልኩም ንምሕጋዝን
  • ኤሮቢክ ኣካላዊ ምንቅስቓስ፣ ሕርመት ልብኹም ዝውስኽን ትንፋስ ንክሓፅረኩም ዝገብር ዓይነት እዩ፡፡ እዚ ምንቅስቓስ እዚ ንሓፈሻዊ ጥዕናን ንኣካልኩ ብቕዓትኩምን ፅቡቕ እዩ፡፡ ከምኡ ድማ ክብደት ንክትቕንሱ ወይ ከዓ ኣብ ዘለኹምዎ ጠጠው ንክትብሉ ይሕግዘኩም እዩ፡፡ ኣብ መላግቦ ኣካልኩም ብዙሕ ጻዕቒ ዘየሕድሩ ኤሮቢክ ምንቅስቓሳት እንተገበርኩም ይምከር፡፡ ንኣብነት ከም ሓመሳ፣ ብሽክሌታ ምዝዋርን ብእግሪ ምጉዓዝን፡፡
  • ተዓጻጻፍነት / ምምጣጥን ኣካላዊ ምንቅስቓስ – መላግ ኣካኮም ዝገብርዎ ምንቅስቓስ ንምቕጻል ይጠቅም፡፡

ሕክምና ኦስትዮኣርትራይቲስ

ኣብ ልዕሊ ዝረአናዮም ዓርሰ ክንክን ረብሓ ከም ዘለዎ ኹሉ፣ ኦስትዮኣርትራይቲስ ንምሕካም ዘኽእሉ ምስ ሓኪምኩም ብምዝታይ ክትረኽብዎም ትኽእሉ ዝተፈላለዩ ሕክምና መንገዲታት ኣለዉ፡፡

ሓገዝቲ ሕክምናታት

ፊዚዮቴራፒስትዎ ወደ ሌሎች የጤና ባለሙያዎች ሊልክዎ ይችላል, እነሱ የበለጠ ተግባራዊ ምክሮችን ሊሰጡዎት እና ሊረዱዎት የሚችሉ ልዩ ልዩ እርዳታዎችን እና መሳሪያዎችን ሊመክሩት ይችላሉ. እነዚህ የሚከተሉትን ሊያካትቱ ይችላሉ

  • ሓኪምኩም ኣብ ጥቃ እቲ ዝተጎድአ መላግቦ ኣካልኩም ምንቅስቓስ ምእንቲ ክህልው ዝሕግዝኹም ናይ ስፖርት ዓይነታት ንኽተዘውትሩ ምኽሪ ክህበኩም ይኽእል እዩ፡፡ ከምኡውን ድጋፍ ዝኸውን መሐንገጢ፣ መደገፊ ዕንፀይቲ ወይ ከዓ ካልእ ሓጋዚ ነገር ዘድልየኩም እንተኾይኑ ክሪእይኹም እዮም፡፡
  • ቴራፒስት ሓኪም ዕለታዊ ምንቅስቓሳት ብኸመይ ምስላጥ ከምትኽእሉ ተግባራዊ ዝኾኑ ሓገዛት ክህበኩም ይኽእል እዩ፡፡ እዙይ ከዓ ኣብ መላግቦ ኣካልኩም ዘሎ ፃዕቂ ንምንካይ ኣብ መኪናኹም፣ ገዛኹምን መስርሒ ቦታኹምን ክትገብርዎ ትኽእሉ ለውጥታት ክመኽረኩም እዩ
  • ክኢላ ክንክን እግሪ እንታይ ዓይነት ጫማ ክትገብሩ ከምዝግባእ፣ ናይ ውሽጢ ገበር ከዓ ይሕግዘኩም ድዩ ኣይሕግዘኩምን ዝኣመሰሉ ምኽርታት ይህበኩም እዩ፡፡

ኣብ ውሽጢ ገዛኹም ንዚ ሓሳብኩም ክሕግዘኩም ዝኽእል ሓደ ክፍሊ ሕሰቡ፡፡ ንኣብነት ናይ ጎሎ ወይ ከዓ ብርኪ ቅርጥማት እንድሕር ሃልይኩም፣ ካብ መሳልል ከይትወድቑ ዝሕግዘኩም መደገፊ ወይ ከዓ ኣብ ባኞ ቤት ንከይትወድቁ ናይ ኢድ መደገፊ ግጠሙ ኢኹም፡፡ ሓፍ ዝበለ ናይ ሸቓቕ ኮፍ መበሊን፣ ናይ ባኞ ቤት ምንጻፍ/ኮፍ መበሊ እውን ሓገዝ ይህብ እዩ፡፡ እንድሕር ኢድኩም ጉድኣት ሃልይዎ ከም ቡንቧ መኽፈቲ፣ መንጠልጠሊ ዘለዎም ናይ ክሽነ መሳርሒን ባዕልቱ ንባዕልቱ ዝኸፍት ታኒካ መኽፈቲ ዝኣመሰሉ መሳርሕታት ዓብዪ ሓገዝ ኣለዎም፡፡

ዝበለፀ ሓበሬታ ቴራፒስት ሓኪም ምኽሪ ክህበኩም እዩ፡፡ ኣብ ውሽጢ ገዛኹም ንዘድልየኩም ሓገዛት እውን ዋጋ ናውቲ ቅናስ ንምርካው ብቑዓት ንክትኾኑ ትኽእሉ ኢኹም፡፡ ንነጻ ምርመራ ናይ ከባቢኹም በዓል ስልጣን ርኸቡ፡፡

ኣብ ስራሕ ቦታ እንድሕር ኮይንኩም፣ ኣብቲ ቦታ ንሱ ክፍሊ ሕክምና ምህላዉ ንምፍላጥ ንመስርሒኹም ሕተቱ፡፡ ብኸመይ ክትሰርሑ ከምትኽእሉ፣ ወይ ከዓ እትሰርሑሉ ከባቢ ከማዓራርይልኩም ይኽእሉ እዮም፡፡

QR code naar deze pagina

QR Code
nl_NLDutch