033 - 2003259
ኦስትዮኣርትራይቲስ ናይ መላግቦ ኣካልና ንኽደርቁን ቃንዛ ንክስምዐናን ዝገብር ሕማም እዩ፡፡ ብልሙድ ኣብራኽና፣ ጎሎናን ኣብ ኣእዳውና ዝርከቡ ኣናኡሽተይ መላግቦ ይጉድኡ እዮም፡፡ እዚ ሕማም እቲ ዝተለመደ ናይ ቅርጥማት ዓይነት እዩ፡፡
እዚ ሕማም እዚ መላግቦ ኣካልኩም ክጉድኡ እንከለዉ እዩ ዘጋጥም፡፡ መላግቦኹም ባዕልቱ ንባዕልቱ ንምፅጋን ኣብ ዝፍትነሉ እዋን፣ ኣብ ውሽጢ መላግቦኹም ለውጥታት ክህልዉ ይኽእሉ እዮም፡፡ እዞም ለውጥታት ከዓ ናብ ቃንዛን ግትር ምባልን ዝኣመሰሉ ምዕባለታት የምርሕ፡፡
ክልተ ዓይነት ኦስትዮኣርትራይቲስ ኣለዉ
ኦስትዮኣርትራይቲስ ንሰባት ብዝተፈላለዩ መንገድታት ከጥቅዕ ይኽእል እዩ፡፡ ከምኡውን ካብ ሓደ መላግቦ ናብ ካልእ መላግቦ ዘብፅሖ ጉድኣት ኣፈላላይ ኣለዎ እዩ፡፡ ሓደ ሓደ እዋን ጊዜ ብዝወሰኸ ቁፅሪ እንዳገደደ ክኸይድ ይኽእል እዩ፤ ይኹን ድኣ እምበር መብዛሕትኡ ጊዜ ዘይክኸውን እውን ይኽእል እዩ፡፡ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ተመሳሳሊ ኩነታት ክፀንሕ ይኽእል እዩ፡፡ ወይ ከዓ እቲ ቃንዛን ተሪር ምኹዋንን ብ ከይዲ ጊዜ እንዳተመሓየሸ ክመጽእ ይኽእል እዩ፡፡
ሓደ ሰብ ብኸመይ ኦስትዮኣርትራይቲስ ክሕዞ ከምዝኽእል ንፁር ኣይኮነን፡፡ ዝተፈላለዩ ምኽንያታት እዮም ተባሂሉ ይሕሰብ፡፡ ኮይኑ ግና፣ እዚ ሕማም ናይ ምምዕባል ዕድልም ዝውስኽዎ ዝተፈልጡ ምኽንያታት ኣለዉ፡፡ ካብዞም ንታሕቲ ብዘለዉ ምኽንያታት ኦስትዮኣርትራይቲስ ናይ ምምዕባል ዕድልኩም ሰፊሕ እዩ፡፡
ቀንዲ ምልክታት ኦስትዮኣርትራይቲስ ኣብቲ ዝተጎድአ መላግቦ ኣካልኩም ስምዒት ቃንዛን ግትር ምባልን እዮም፡፡ መላግቦ ኣካልኩም ፈጺሙ ምንቅስቓስ ክኣብየኩም ወይ ከዓ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝሰርሖ ዓይነት ዝነበረ ኮይኑ ዘይክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም፡፡ ሓደ ሓደ እዋን እቲ ስምዒት ቃንዛ ብምስፍሕፋሕ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋል ኣካልኩም ክስመዐኩም ይኽእል እዩ፡፡ ንኣብነት ኣብ ጎሎኹም ኦስትዮኣርትራይቲስ እንድሕር ሃልይኩም፣ ኣብ ሽምጢ፣ ሰለፍ፣ ብርኪን ዓንካር ዓንካሪቶን ናይ ቃንዛ ስምዒት ክስምዐኩም ይኽእል እዩ፡፡
መብዛሕትኡ ጊዜ መላግቦ ኣካልኩም ንምጥቃም ክትደልዩ እንከለኹም ጥራሕ እዩ ስምዒት ቃንዛ ዝህልወኩም፡፡ ዕረፍቲ ክትገብሩ እንከለኹም ድማ ደሓን እዩ ዝስምዐኩም፡፡ ኮይኑ ግና እቲ ቅርጥማት ዝኸፍአ እንተኾይኑ፣ ወላ ዕረፍቲ ወሲድኩም እውን ቃንዛ ክስመዐኩም ይኽእል እዩ፡፡ ኣብ ንጉሆ ወይ ከዓ ዕረፍቲ ምስ ገበርኩም መላግቦ ኣካልኩም መጀመርታ ናይ ድርቕ ናይ ምባል ስምዒት ክስመዐኩም ይኽእል እዩ፣ ኮይኑ ግና እዚ ስምዒት ቀልጢፉ ዝጠፍእ እዩ፡፡
ሓደ ሓደ እዋን ኣብ ጉድኣት ዝበፅሖ መላግቦ ኣካልኩም ሕብጠት ክተስተውዕሉ ትኽእሉ ኢኹም፡፡ ከምኡውን ምንቅስቓስ ኣብ ትግብሩሉ እዋን ናይ ምስብባርን ምድቃቕን ስምዒት ክስምዐኩም ይኽእል እዩ፡፡
ሓደ ሓደ እዋን እዞም ስምዒታት እዚኦም ምስ ካኦት ፀገማት ዝተራኸቡ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም፤ ኮይኑ ግና እንድሕር ነዞም ስምዒታት እዚኦም ኣስተውዒልኩም ተወሳኺ ምኽሪ ንምርካብ ንፊዚዮቴራፒስት ሓኪምኩም ርኸብዎ፡፡
ዕለታዊ መነባብሮኹም ቀሊል ንምግባርን ኣብ መላግቦ ኣካልኩም ዘሎ ስምዒት ቃንዛን ድርቕ ምባልን ምልክታት ብኸመይ ምቕናስን ምምሕያሽን ከምትኽእሉ ሓኪምኩም ከነግረኩም እዩ፡፡ ገለ ካብቶም ቀንዲ ምኽሪታት ስዒቦም ተፃሒፎም ኣለዉ፡፡
ክንዲ ዝኽኣልኩምዎ ብስሩዕ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምግባር፣ ሓደ ኣዝዩ ረብሓ ዘለዎ ነገር እዩ፡፡ ኣካላዊ ምንቅስቓስ መላግቦ ኣካልኩም ስርሖም ብግቡእ ንክቕፅሉን ቃንዛ ንምንካይን ይጠቅም እዩ፡፡ ከምኡውን ናይ ጭዋዳ ጥንካረ ንምውሳኽን ብቕዓት ንምምሓይሽን ይጠቅም እዩ፡፡
ሓደ ሓደ እዋን እቲ ሓኪም ቅርጺ ዘለዎ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ንክትብሩ ክሕብረኩም ይኽእል እዩ፡፡ ካልእ ጊዜ ድማ ክትፍትንዎም ትኽእሉ ሓደ ሓደ ምኽርታት ክምዕድኹም ይኽእሉ እዮም፡፡ እቲ ቀንዲ ኣገዳሲ ነገር ኩሉ ጊዜ ክትገብርዎ ትኽእሉን ትፈትውዎ ነገር ምእላሽ እዩ፡፡
እዞም ዝስዕቡ ሓዊስኩም ዝተፈላለዩ ኣካላዊ ምንቅስቓሳት ንምግባር ፈትኑ፡
ኣብ ልዕሊ ዝረአናዮም ዓርሰ ክንክን ረብሓ ከም ዘለዎ ኹሉ፣ ኦስትዮኣርትራይቲስ ንምሕካም ዘኽእሉ ምስ ሓኪምኩም ብምዝታይ ክትረኽብዎም ትኽእሉ ዝተፈላለዩ ሕክምና መንገዲታት ኣለዉ፡፡
ፊዚዮቴራፒስትዎ ወደ ሌሎች የጤና ባለሙያዎች ሊልክዎ ይችላል, እነሱ የበለጠ ተግባራዊ ምክሮችን ሊሰጡዎት እና ሊረዱዎት የሚችሉ ልዩ ልዩ እርዳታዎችን እና መሳሪያዎችን ሊመክሩት ይችላሉ. እነዚህ የሚከተሉትን ሊያካትቱ ይችላሉ
ኣብ ውሽጢ ገዛኹም ንዚ ሓሳብኩም ክሕግዘኩም ዝኽእል ሓደ ክፍሊ ሕሰቡ፡፡ ንኣብነት ናይ ጎሎ ወይ ከዓ ብርኪ ቅርጥማት እንድሕር ሃልይኩም፣ ካብ መሳልል ከይትወድቑ ዝሕግዘኩም መደገፊ ወይ ከዓ ኣብ ባኞ ቤት ንከይትወድቁ ናይ ኢድ መደገፊ ግጠሙ ኢኹም፡፡ ሓፍ ዝበለ ናይ ሸቓቕ ኮፍ መበሊን፣ ናይ ባኞ ቤት ምንጻፍ/ኮፍ መበሊ እውን ሓገዝ ይህብ እዩ፡፡ እንድሕር ኢድኩም ጉድኣት ሃልይዎ ከም ቡንቧ መኽፈቲ፣ መንጠልጠሊ ዘለዎም ናይ ክሽነ መሳርሒን ባዕልቱ ንባዕልቱ ዝኸፍት ታኒካ መኽፈቲ ዝኣመሰሉ መሳርሕታት ዓብዪ ሓገዝ ኣለዎም፡፡
ዝበለፀ ሓበሬታ ቴራፒስት ሓኪም ምኽሪ ክህበኩም እዩ፡፡ ኣብ ውሽጢ ገዛኹም ንዘድልየኩም ሓገዛት እውን ዋጋ ናውቲ ቅናስ ንምርካው ብቑዓት ንክትኾኑ ትኽእሉ ኢኹም፡፡ ንነጻ ምርመራ ናይ ከባቢኹም በዓል ስልጣን ርኸቡ፡፡
ኣብ ስራሕ ቦታ እንድሕር ኮይንኩም፣ ኣብቲ ቦታ ንሱ ክፍሊ ሕክምና ምህላዉ ንምፍላጥ ንመስርሒኹም ሕተቱ፡፡ ብኸመይ ክትሰርሑ ከምትኽእሉ፣ ወይ ከዓ እትሰርሑሉ ከባቢ ከማዓራርይልኩም ይኽእሉ እዮም፡፡