Buikpijn bij volwassenen Eritrees

ንዓቕሚ ኣዳም ዝበፅሐ ሰብ ናይ ከብዲ ሕማም

ሃንደበታዊ ብርቱዕ ናይ ከብዲ ሕማም

ኣብ ከብድና ኣብ ሓደ ዝተፈለየ ቦታ ዘጋጥም ሃንደበታዊ ዘፀዓዕር ቃንዛ ናይ ዕቱብ ዝኾነ ፀገም ምልክት ክኸውን ይኽእል እዩ፡፡ ብዘይ ሕክምና እንዳገደደን እንዳወሰኸን ክኸይድ ይኽእል እዩ፡፡

ሰንኪታት፡

ንሃንደበታዊ ብርቱዕ ናይ ከብዲ ሕማም መልዐሊ ክኾኑ ዝኽእሉ ዕቱብ ምኽንያታት፡

  • በንቲችተ- መዓንጣ እንተሓቢጡ እቲ ትርፊ መዓንጣ ክውገድ ይግብኦ ማለት እዩ፡፡
  • ዝደሚ ወይ ከዓ ዝተቦሽዐ ነድሪ ከስዐ
  • ናይ ኩሊት ፀፀር- ደቀቅቲ ፀፀራት ብሽneትና ኣቢሎም ክወፅኡ ዝኽእሉ እንተኾኑ ዓበይti ፀፀራት ግን ናይ ኩሊትና ቱቦ ክደፍንዎ ይኽእሉ እዮም፡፡ ነቶም ፀፀራት ንምውጻእ ድማ ናብ ሆስፒታል ምኻድ ከድሊ ይኽእል እዩ፡፡
  • ዳይቨርቲከልቲስ – ናይ መዓንጣና ንኡሽተይ ክፋል ቁጣዐ እንትኸውን፣ ሓደ ሓደ እዋን ኣብ ጥዕና ጣብያ ብኣንቲባዮቲክ ሕክምና ከድልዮ ይኽእል እዩ፡፡

ሓኪምኩም ካብቶም ዝተጠቕሱ ኩነታት ሓደ ከምዘለኩም እንተጠርጢሩ፣ ናብ ሆስፒታል ክልእኹኩም ይኽእሉ እዮም፡፡ ሓደ ሓደ እዋን ሃንደበታዊን ብርቱዕ ሕማme ከብዲ ብምኽንያት ናይ ከብዲን መዓናጡን (ጋስትሮኢንተሪቲስ) ብኽለት ክለዓል ይኽእል እዩ፡፡ ከምኡውን ብምኽንያት ዝተወጠረ ናይ ከብዲ ጭዋዳ ወየ ከዓ ብጉድኣት ክልዓል ይኽእል እዩ፡፡

ናይ ከብዲ ሕማም ሰንኪታት እዞም ዝስዕቡ ክኾኑ ይኽእሉ፡፡

  • ስብሒ ዝበዝሖ ምግቢ
  • ሓደ ሓደ መድሓኒታት
  • በንቲችተ
  • ናይ ምግቢ ብኽለት
  • ናይ ፍሕኛ ብኽለት
  • ናይ ቫይረስ ብኽለት (ናይ ከብዲ ጉንፋዕ)
  • ድርቀት
  • ጭንቀት
  • ወርሓዊ ፅግያ
  • ፀፀር ሓሞት

ናይ ነዊሕ እዋን ወይ ከዓ ተደጋጋሚ ዝኾነ ሕማም ከብዲ

ውላድኪ ቀፃልነት ዘለዎ ወይ ከዓ ተደጋጋሚ ዝኾነ ሕማም ከብዲ እንተሃልይዎ ናብ ሓኪምኪ ክዲ፡፡ መብዛሕትኡ ግዘ እቲ መልዐሊ ሰንኪ ዕቱብ ስለዘይኮነ ብቐሊሉ ክፍታሕ ዝኽእል ፀገም እዩ፡፡

ንዓቕሚ ኣዳም ኣቭ ዝበፅሐ ሰብ መልዐሊ ክኾኑ ዝኽእሉ ሰንኪታት፡

  • ናይ ነዳሪ መዓንጣ ሕማም ምልክት- እዚ ቃንዛ እዚ ናብ ሸቓቕ ክንከይድ እንከለኛ ይጠፍእ እዩ፡፡
  • ሕማም ዝተቖጠዐ መዓንጣ- ንኣብነት ሕማም ክሮንስ፣ ዩክሌሬቲቭ ኮልቲስን ኢንዶሜትሮሲስ ዝተብሃሉ
  • ብተደጋጋሚ ዝመፅእ ናይ ሽንቲ ስርዓት ብኽለት- ክትሸኒ እንከለኺ እውን ዘቃጽል ስምዒት ይህልዎ እዩ፡፡
  • ድርቀት
  • ናይ ወርሓዊ ፅግያ ቃንዛ- ምስቲ ናይ ፅግያዊ ዑድት ዝተራኸበ እታ ጓል ኣንስተይቲ ፀሚው ዝኾነ ና ጭዋዳ ምትዕፅፃፍ ቃንዛ
  • ነድሪ ከስዐ
  • ኣፍልቢ ምቅፃልን ናይ ኣሲድ ምውሓዝ
  • ጋስትራይት (ናይ ውሽጢ ከብድና ምቁጣዕ)

ኣብ ቖልዑት መልዐሊ ክኾኑ ዝኽእሉ ሰንኪታት

  • ድርቀት
  • ብተደጋጋሚ ዝመፅእ ናይ ሽንቲ ስርዓት ብኽለት
  • ኣፍልቢ ምቅፃልን ናይ ኣሲድ ምውሓዝ
  • ብርቱዕ ሕማም ከብዲ- መልዐሊኡ ብዘይተፈለጠ ምኽንያት ብተደጋጋሚ ዝለዓል ሕማም ከብዲ

ሕማም ከብዲ እንተሃልይኩም ብዙሕ ማይ ወይ ከዓ ሻሂ (ኣብ መዓልቲ 2 ሊትሮ) ስተዩ፡፡ ብስሩዕ ውሑድ ዓቐን ዘለዎ ምግቢ ብልዑ፡፡ ዝተወሰ ኣካላዊ ምንቅስቓስ (ምጉዓዝ፣ ብሽክሌታ ምዝዋር) ግበሩ፡፡ ኣሕምልቲን ፍራፍረን ምግቢ ኣዘውትሩ፤ ስብሒካብ ዘለዎም ምግብታት፣ ካብ ኣልኮል፣ ዝተኣሸጉ ለስላሳ መስተታትን ቡናን ካብ ምውሳድ ተዓቀቡ፡፡

ካብዞም ዝስዕቡ ሓደ እንተጋጢሙ ናብቲ ሓኪም ብህፁፅ ይደውሉ፡

  • እቲ ሕማም ብሃንደበት ከይተፀበናዮ እንተጀሚሩ

ሓኪምኩም ስርሑ ዓፂውዎ እንተኾይኑ ናብ 112 ደውሉ

  • ብርቱዕ ዝኾነ ሕማም ከብዲ እንተሃልይኩም፤ ብፍላይ ድማ ኣብ ሓደ ዝተፈከየ ቦታ ጥራሕ ዝተኣከበ እንተኾይኑ
  • ምሻን እንተኣብይኩም፣ ሕብሪ ቀልቀልኩም ፀሊም እንተኾይኑ ወይ ከዓ ኣብ ውሽጢ ቀልቀልኩም ደም እንተሃልይዎ፡፡

QR Code naar deze pagina:

QR Code
nl_NLDutch