Cholesterol Eritrees

ኮሌስትሮል

በዝሒ ኮሌስትሮል

ኣብ ውሽጢ ደምና ኮሌስትሮል ዝተብሃለ ብዝሕ ዝበለ ናይ ስብሒ ትሕዝቶ ክህልው እንከሎ በዝሒ ኮሌስትሮል ኣሎ ይብሃል፡፡

ሰንኪታት

በዝሒ ኮሌስትሮል ስብሒ ዝበዝሖም ምግብታት ብምብላዕ፣ ኣካዊ ምንቅስቓስ ብዘይምግባር፣ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ብዝሓለፈ ርጉዲ፣ ሽጋራ ብምትካኽን ኣልኮል ብምስታይን እዩ ዝመጽእ፡፡ ብዘርኢ እውን ክመሓላፍ ይኽእል እዩ፡፡

ምልክታት

በዝሒ ኮሌስትሮል ምልክታት የብሉን፡፡ ናይ ደም ምርመራ ብምግባር ጥራሕ ኢና ክንፈልጦ ንኽእል፡፡

ናይ ኮሌስትሮል ሓደጋ

በዝሒ ኮሌስትሮል ናይ ደም ሱርና ክሓትሞ ይኽእል እዩ፡፡ ብፀገማት ሕማም ልቢ ወይ ከዓ ብስትሮክ ንክንጥቃዕ ተቓላዕቲ ክገብረና ይኽእል እዩ፡፡

ዋሕዲ ኮሌስትሮል

ጥዑይ ኣመጋግባ ብምኽታልን ብዙሕ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ብምግባር ዓቐን ኮሌስትሮል ክንቅንሶ ንኽእል ኢና፡፡ ሓደ ሓደ ሰባት መድሓኒት ምውሳድ ከድልዮም ይኽእል እዩ፡፡

ስብሒ ዘለዎም ምግብታት ብውሑድ ተመገቡ

ነቲ ናይ ኮሌስትሮል ዓቐን ንምውሓድ፣ ስብሒ ዘለዎም ምግብታት ምውሳድ ነክዩ፤ ብፍላይ ድማ ሳቹሬትድ ስብሒ ዝተብሃለ ዘለዎም ምግብታት ምውሳድ ነክዩ፡፡ ኣንሳቹሬትድ ስብሒ ዝተብሃለ ጥዑይ ዝኾነ ስብሒ ዝሓወሱ ምግብታት ምውሳድ ትኽእሉ ኢኹም፡፡

ዝስዕቡ ምግብታት ብዝበለፀ ንምውሳድ ፈትኑ፡

  • ዘይቲ ዝበዝሖ ዓሳ፣ ከም በዓል ማኬሬልን ሳልሞን ዝተብሃሉ ዓሳታት
  • ቡኒ ሩዝ፣ ባኒ፣ ፓስታ
  • ኦቾሎኒን ጥራጥረን
  • ኣሕምልቲን ፍራፍረን
Afbeelding met tafel, houten, voedsel, vissen Automatisch gegenereerde beschrijvingAfbeelding met voedsel, schotel, oranje, sushi Automatisch gegenereerde beschrijvingAfbeelding met bord, voedsel, tafel, kom Automatisch gegenereerde beschrijving

ዝስዕቡ ምግብታት ብውሑድ ንምውሳድ ፈትኑ፡

  • ናይ ስጋ ሳምቡሳ፣ ግዕዝምን ስብሒ ዝበዝሖ ስጋን
  • ጠስሚ፣ ስብሒ ሓሳማን ጠስምታትን
  • ክሬምን ከም ቼዳር ዝኣመሰሉ ተሪር ጣዕሚ ዘለዎም ፎርማጆ
  • ኬክን ብሽኩቲን
  • ናይ ዶማ ዘይቲ ወይ ከዓ ናይ ዓካት ዘይቲ ዝሓወሰ ምግቢ
Afbeelding met voedsel, room, dessert, boter Automatisch gegenereerde beschrijvingAfbeelding met kop, tafel, bord, binnen Automatisch gegenereerde beschrijvingAfbeelding met voedsel, bord, binnen, schotel Automatisch gegenereerde beschrijving

ብዙሕ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ግበሩ

ብውሕዱ ኣብ ውሽጢ ሰሙን ንኣስትታት 150 ደቓይቕ (2.5 ሰዓታት) ምንቅስቓስ ንምግባር ትልሚ ኣውፅኡ፡፡

  • ናይ እግሪ ጉዕዞ- ልብኹም ብቅልጡፍ ምህራም ንክትጅምር ምእንቲ ብቁልጡፍ ንምጓዓዝ ፈትኑ
  • ሓመሳ
  • ብሽክሌታ ምዝዋር

ሽጋራ ምትካኽ ጠጠው ኣብሉ

ሽጋራ ምትካኽ ናይ ኮሌስትሮል ዓቐንኩም ንክልዕል ብምግባር ከም ናይ ልቢ ሕማም፣ ስትሮክን ካንሰርን ንዝኣመሰሉ ዕቱብ ናይ ጥዕና ፀገማት ንክትቃልዑ ክገብር ይኽእል እዩ፡፡ ሽጋራ ምትካኽ ጠጠው ንምባል እንተደሊኹም ካብ ዝኾነ ሓኪም ሓገዝን ረድኤትን ምርካብ ትኽእሉ ኢኹም፡፡

መስተ ኣልኮል ነክዩ

  • ኣብ ሰሙን ካብ 14 ንላዕሊ መለክዒ ካብ ምስታይ ተዓቀቡ
  • በብሰሙኑ ካብ መስተ ነጻ ዝኾኑ ብዙሕ መዓልትታት ይሃልውኩም፡፡
  • ኣብ ዝሓፀረ እዋን ብዙሕ ኣልኮል መስተ ካብ ምስታይ ተዓቀቡ (ናይ ፈንጠዝያ መስተ)

ኣንጻር በዝሒ ኮሌስትሮል ዝውሰዱ መድሓኒታት

ኣመጋግባኹምን እትኽተልዎ መነባብሮ ምስቀየርኩም ዓቐን ኮሌስትሮልኩም እንተዘይነክዩ፣ ወይ ከዓ ተቓልዕነት ሕማም ልብን ስትሮክን ዓብዪ ሓደጋ እንተሃልይኩም፣ ዓቐን ኮሌስትሮልኩም ንምንካይ መድሓኒት ከድልየኩም ይኽእል እዩ፡፡

ስታቲን

ስታቲን በዝሒ ኮሌስትሮል ንዘለዎም ዝተለመደ መድሓኒት እዩ፡፡ ነብስና ዝሰርሖ ናይ ኮሌስትሮል ዓቐን ንክንክይ ይገብሮ፡፡ ኣብ መዓልቲ ሓደ ክኒና ክትውሕጡ ትኽእሉ ኢኹም፡፡ መብዛሕትኡ ጊዜ ንዕድመ ልክዕ ክውስዱ ዝኽእሉ መድሓኒታት እዮም፡፡

ካልኦት መድሓኒታት ንበዝሒ ኮሌስትሮል

እንድሕር ስታቲን ብዙሕ ውፅኢት እተዘይሃልይዎ ካልኦት መድሓኒታ ክትውሰዱ ይኽእሉ እዮም፡፡ ንኣብነት ከም በዓል ኢዝታይምብ (ezetimibe) ፣ ፋይብሬትስ (fibrates) ፣ ሬዛይንስ (resins) እንሳተብሃሉ ዝፍለጡ ባይል ኣሲድ ሴኳስትራንትን(, bile acid sequestrants) ቤምፔዶይክ ኣሲድ (bempedoic acid) ዝተብሃሉ መድሓኒታት ምውሳድ ይከኣል እዩ፡፡ ከምኡውን ከም በዓል ኣሊሮኪዩማብን (alirocumab) ኢቮሎኪዩማብ( evolocumab) ዝተብሃሉ መድሓታት በመርፍእ ክትውግኡ ትኽእሉ ኢኹም፡፡

QR Code naar deze pagina:

QR Code
nl_NLDutch