033 - 2003259
ዓይነት 1 ሽኮርያ ኣብ ውሽጢ ደምና ዝርከብ ናይ ግሉኮዝ (ሽኮር)ዓቐን ብጣዕ ንክውስኽ ይገብሮ፡፡
ኣካልና ኣብ ውሽጢ ደም ዝርከብ ናይ ሽኮር ዓቐን ዝቆፃፅረልና ኢንሱሊን ዝተብለ ሆርሞን ብእኹል ምምንጫው ከቋርፅ እንከሎ ዝፍጠር ፀገም እዩ፡፡ ኣብ ደምኩም ዝርከብ ናይ ሽኮር ዓቐን ንንቁፅፃር መዓልታዊ ዝኾነ ናይ ኢንሱሊን መውጋእቲ የድልየኩም እዩ፡፡ ዓይነት 1 ሽኮርያ ንምቁፅፃር ዝተወሰነ ጊዜ ክወስድ ይኽእል እዩ፣ ኮይኑ ግና ኩሎም ዘሐጎስኹም ነገራት ብዘይ ሓደ ፀገም ምግር ትኽእሉ ኢኹም፡፡ እዚ መምርሒ እዚ ክሕግዘኩም እዩ ቀሪቡ ዘሎ፡፡ ዓይነት 1 ሽኮርያ ምስ ዕመ ምውሳኽ ወይ ከዓ ምስ ካብ ዓቐን ዝሓለፈ ርጉዲ ኣይራኸብን፡፡ እዞም ነገራት እዚኦም ምስ ዓይነት 2 ሽኮርያ ዝተራኸቡ እዮም፡፡
ምልክታት ዓይነት 1 ሽኮርያ ቀልጢፎም ክረኣዩ ይኽእሉ እዮም፡፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ቆልዑት፡፡
ሓኪምኩም ናይ ሽንቲ ምርመራ ብምግባር ናይ ግሉኮዝ (ሽኮር) ዓቐንኩም ክምርምር ይኽእል እዩ፡፡ ሽኮርያ ኣለኩም እዩ ኢሉ እንተሓሲቡ፣ ንተወሳኺ ምርመራ ብቀጥታ ናብ ሆስፒታል ንክትኸዱ ክመኽረኩም ይኽእል እዩ ፡፡ ዓይነት 1 ሽኮርያ እንተተረኺብኩም፣ እታ ናይ ሽኮርያ ነርስ፣ ኣብ ውሽጢ ደምኩም ዝርከብ ናይ ግሉኮዝ ዓቐን ምምርማርን ኢንሱሊን ምውጋእን ሓዊሱ፣ ንነገራት ብኸመይ ምቁፅፃር ከምትጅምሩ ክተርእየኩም እያ፡፡