Diabetes mellitus type 2 Eritrees

ሽኮርያ- ዓይነት 2

ሽኮርያ እንታይ እዩ

  • ዓይነት 2 ሽኮርያ ኣብ ውሽጢ ደምና ዝርከብ ናይ ግሉኮዝ (ሽኮር)ዓቐን ብጣዕሚ ንክውስኽ ዝገብሮ ልሙድ ኩነታት እዩ፡፡
  • ከም ማይ ፅምኢ፣ ብተደጋሚ ሽንቲ ማይ ንምሻን ምድላይን ድኻምን ንዝኣመሰሉ ምልክታት ምኽንያት ክኸውን ይኽእል እዩ፡፡ ከምኡውን ኣብ ኣዕይንትኹም፣ ልብኹምን መትንኹምን ዕቱብ ዝኾነ ፀገማት ንክህልወኩም ንሓደጋ ናይ ምቅላዕ ዕድልኩም ክውስኾ ይኽእል እዩ፡፡
  • ኣብ መዓልታዊ ናብራኹም በብመዓልቱ ከጥቅዓኩም ዝኽእል ናይ ዕድመ ልክዕ ሕማም እዩ፡፡ ኣመጋግባኹም ንምቕያር፣ መድሓኒት ምውሳድን ስሩዕ ዝኾነ ምርመራ ምግባርን ከድልየኩም ይኽእል እዩ፡፡
  • ብሰንኪ ኣብ ውሽጢ ኣካልና ብዝርከብ ኢንሱሊን ዝተብሃለ ናይ ኬሚካል (ሆርሞን) ፀገም እዩ ዝፍጠር፡፡ መብዛሕትኡ ግዘ ምስ ካብ ዓቐን ዝሓለፈ ርጉዲ ወይ ከዓ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ብዘይምግባር፣ ወይ ከዓ ሕሉፍ ኣብ ስድራ ዝፀንሐ ዓይነት 2 ሽኮርያ ዝተራኸበ እዩ፡፡

ምልክታት

መብዛሕቲኦም ሰባት ዓይነት 2 ሽኮሪያ ከይተፈለጦም እዩ ዝሕዞም፡፡ እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት እቶም ምልክታት ሕማም ከምዘለኩም ክስመዓኩም ኣይገብሩን እዮም፡፡

ምልክታት ዓይነት 2 ሽኮርያ ካብዚ ንታሕቲ ዘለዉ ዝሓወሱ እዮም፡

  • ካብ ልሙድ ንላዕሊ ሽንቲ ማይ ምሻን፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ምሸት
  • ኩሉ ሻብ ማይ ጽምኢ ይሰመዐና
  • ናይ ድኻም ስምዒት
  • ብዘይ ገለ ፈተነ ኣካላዊ ክብደት ምንካይ
  • ኣብ ጥቃ መትሎ ወይ ከዓ ርሕሚ ናይ ምሕኻኽ ስምዒት፣ ወይ ከዓ ብተደጋጋሚ ናይ ፈንገስ ሕማም ምትሐዝ
  • ዘይሓዊ ቁስሊ
  • ፅልግልግ ዝብለ ራእይ

ካብዞም ዝስዕቡ ሓደ እንተኾይንኩም ንዓይነት 2 ሽኮርያ ናይ ተቓላዕነት ዕድልኩም ዝዓበየ እዩ፡

  • ዕድመኹም ልዕሊ 40 እንተኾይኑ (ወይ ከዓ ካብ ደቡባዊ ኤስያ ዝመፅኡ ሰባት ልዕሊ 25 ዕድመ እንተኾይኑ)
  • ሽኮርያ ዘለዎ ናይ ቀረባ ስድራ እንተሃልዩ (ከም ወለድቲ፣ ሓው ወይ ሓፍቲ)
  • ካብ ዓቐን ንላዕሊ ርጉዲ እንተሃልዩ
  • ናይ እስያ፣ ካረብያን-ኣፍሪካዊ ወይ ከዓ ፀሊም ኣፍሪካዊ ዓሌት እንተሃልይኩም (ወላ ኣብ ዩናይትንድ ኪንግደም ተወለዱ)

ምኽንያት

ዓይነት 2 ሽኮርያ ዝተፈላለዩ ሰንኪታት ኣለውዎ፤ ንኣብነት፡

  • ሽጋራ ምስታይ
  • እኹል ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዘይምግባር
  • ካብ ዓቐን ንላዕሊ ምርጓድ
  • ዕድመ
  • ጥዕንኦም ዘይተሓለወ ምግቢታት ምብላዕ

እንታይ ምግባር ትኽእሉ

ጥዕንኡ ዝተሓለወ ኣመጋግባን ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምግባር ናይ ደምኩም ሽኮር ዓቐን ንምቁፅፃር ይሕግዘኩም እዩ፡፡ ከምኡውን ኣካላዊ ክብደትኩም ንክትሕለዉን ብሓፈሻ ጥዕና ንክስመዐኩም ክሕግዘኩም ይኽእል እዩ፡፡

ዝተፈላለዩ ዓይነት ምግብታት ምብላዕ ትኽእሉ ኢኹም

ዓይነት 2 ሽኮርያ እንተሃልይኩም ምብላዕ ዘይትኽእልዎ ናይ ምግቢ ዓይነት የለን፤ ኮይኑ ግና ኣብ ሓደ ሓደ ምግብታት ክትበልዑ እንከለኹም ዓቐን ምግባር የድሊ እዩ፡፡ እዞም ዝስዕቡ ክትገብሩ ይግባእ፡

  • ዝተፈላለዩ ዓይነት ምግብታት ምብላዕ – ፍራምረ፣ ኣሕምልትን ካልኦት ጻዕዳ መቀረት ኣልቦ ምግብታት ከም ፓስታ ዝሓወሰ
  • ሽኮር፣ ስብሒን ጨውን ብትሑት ውሰዱ
  • በቢ መዓልቱ ቁርሲ፣ ምሳሕን ድራርን ብልዑ – ምግቢ ከይትዘሉ

ኣመጋባኹም ንምቕያር እንተደሊኹም፣ ብሓንሳእ እንተይኮነስ በብሰሙኑ ንኡሽተይ ዝኾነ ለውጢ ምግባር እቲ ዝቐለለ መንገዲ ክኸውን ይኽእል፡፡

ንጡፋት ምኹዋን ኣብ ደም ዝርከብ ናይ ሽኮር ዓቐን የትሕቶ እዩ፡፡

ኣካላዊ ምንቅስቓስ ናይ ደምና ሽኮር ዓቐን ንክንክይ ይሕግዘና እዩ፡፡ ኣብ ሰሙን ን2.5 ሰዓታት ዝኣክል ኣካላዊ ምንቅስቓስ ንምግባር ትልሚ ክትገብሩ ይግባእ፡፡ ትንፋስኩም ንክሓፅር ክሳብ ዝገበረኩም ኣብ ዝኾነ ዘለኹምዎ ቦታ ምንቅስቓስ ምግባር ትኽእሉ ኢኹም፡፡ እዙይ ከዓ፡

  • ብቁልጡፍ ምጉዓዝ
  • መደያይቦ ምድያብ
  • ብደምቢ ምንቅስቓስ ዝሓቱ ናይ ገዛ ስራሕቲ ምስራሕ ወይ ከዓ ጀርዲን ምክንኻን

ኣካላዊ ክብደትኩም ኣገዳሲ እዩ

ኣካላዊ ክብደት ምቕናስ (ልዕሊ ዓቐን ርጉዲ እንተሃልይኩም) ኣካልኩም ኣብ ውሽጢ ደም ዝርከብ ናይ ሽኮር ዓቐን ንምንካይ ይሕግዞ እዩ፡፡ ከምኡውን ኣብ ደም በዝሕኹምን ናይ ኮሌስትሮል ዓቐንኩም ክመሓየሽ ይኽእል እዩ፡፡ ክብደት ንምንካይ እንተደሊኹም፣ ንመብዛሕትኦም ሰባት ብሓንሳእ እንተይኮነስ ብኸይዲ ቀስ ኢል ምቕናስ እዩ ዝምከር፡፡ ኣብ ሰሙን ካብ 0.5 ክሳብ 1 ኪሎ ግራም ንምንካይ ትልሚ ግበሩ፡፡

ንሓፂር እዋን (ንኣስትታት 12 ሰሙን)፣ ውሑድ ናይ ካሎሪ ዓቐን ዘለዎም ምግብታት (ካብ 800 ክሳብ 1,200 ካሎሪ ኣብ መዓልቲ) ምምጋብ፣ ምልክታት ሕማም ዓይነት 2 ሽኮርያ ንክቕንሱ ክሕግዝ ከምዝኽእል ተረጋጊፁ ኣሎ፡፡ ውሑድ-ካሎሪ ዘለዎ ኣመጋግባ ንኩሎም ዓይነት 2 ሽኮርያ ዝሓመሙ ሰባት ዝስማዕማዕ ዘይክኸውን ይኽእል እዩ፤ ንኣብነት ኢንሱሊን ንዝወስዱ ሰባት፡፡ ስለዙይ ቅድሚ እዚ ኣመጋግባ ስርዓት ቅድሚ ምጅማርኩም ናይ ሓኪም ምኽሪ ምውሳድ ኣገዳሲ እዩ!

መድሓኒት

መብዛሕትኦም ሰባት ዓይነት 2 ሽኮርያ ንምቁፅፃር መድሓኒት የድልዮም እዩ፡፡ መድሓኒት ኣብ ውሽጢ ደምኩም ዝርከብ ናይ ሽኮር ዓቐን ብዝተኽኣለ ንምንካይን ካልኦት ናይ ጥዕና ፀገማት ንምክልኻልን ይሕግዝ እዩ፡፡ ምናልባት ግና ንዕድመ ልክዕ ክትወስድዎ ትኽእሉ ኢኹም፡፡ ሕማም ሽኮርያ ጊዜ ብዝወሰኸ ቁፅሪ እንዳገደደ እዩ ዝኸይድ፣ ስዘለዝኾነ ድማ መድሓኒትኩም ወይ ከዓ እትወስድዎ ዓቐን እውን ለውጢ ከድልዮ ይኽእል እዩ፡፡ ኣብ ውሽጢ ደምኩም ዝርከብ ናይ ሽኮር ዓቐን ንምንካይ ኣመጋግባኹም ምስትኽኻልን ንጡፋት ምኹዋንን ኣገዳሲ እዩ፡፡ መብዛሕትኡ ግዘ ንመጀመርታ እዋን ሜትፎርሚን(metformin) ዝተብሃለ መድሓኒት እዩ ዝበሃወኩም፡፡ ሜትፎርሚን ምስ ወሰድኩም ኣብ ደምኩም ዝርከብ ናይ ሽኮር ዓቐን እንተዘይውሒዱ፣ ካልኦት መድሓኒታት ከድልይኹም ይኽእሉ እዮም፡፡ ድሕሪ ጊዜ፣ ዝተሓወሰ መድሓኒት ከድልየኩም ይኽእል እዩ፡፡ ሓኪምኩም ወይ ከዓ ናይ ሽኮርያ ነርስኹም ንዓኹም ዝስምዕማዕ መድሓኒት ክእዘዝልኩም እዮም፡፡ መብዛሕትኡ ጊዜ ን ዓይነት 2 ሽኮርያ ኣብ መጀመርታ ዓመታት ኢንሱሊን ኣይውሰድን እዩ፡፡ ንሱ ዘድልየሉ እዋን፣ ካልኦት መድሓኒታት ኣብ ልዕሌና ምስራሕ ጠጠው እንተቢሎም ጥራሕ እዩ፡፡

መድሓኒትኩም ምውሳድ

ሓኪምኩም ወይ ከዓ ናይ ሽኮርያ ነርስኹም ነቲ መድሓኒት ብኸመይ ከምትወስድዎን ብኸመይ ከምተቕምጥዎን ክገልፁልኩም እዮም፡፡ ኢንሱሊን ምውጋእ ዘድልየኩም እንተኾይኑ እውን ከመይ ከምዝግበር ከርእይኹም እዮም፡፡

ኣሉታዊ ዘየድሊ ሳዕቤን

ን ሕማም ሽኮርያ ትወስድዎ መድሓኒት ንዘየድሊ ኣሉታዊ ሳዕቤን ሰንኪ ክኸውን ይኽእል እዩ፡፡ እዚ ከዓ እቶም ዝስዕቡ ዝሓወሰ እዩ፡

  • ምንፋሕን ውፅኣትን
  • ኣካላዊ ክብደት ምቕናስ ወይ ከዓ ምውሳኽ
  • ናይ ሕማም ስምዒት
  • ኣብ ትሕቲ ቆረበትኩም ብዝዕቆር ፈሳሲ ነገር ምኽንያት ኣብ ሓደ ወይ ከዓ ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ሰብነት ክፋል ሕበጥ ምህላው

እቲ ዘየድሊ ኣሉታዊ ሳዕቤን ኣብ ኩሉ ሰብ ዝበፅሕ ኣይኮነን፡፡ ዘይጥዕና እንተተሰሚዕኩም ወይ ከዓ ዘየድሊ ኣሉታዊ ሳዕቤን እንተተዓዚብኩም፣ ንሓኪምኩም ወይ ከዓ ናይ ሽኮርያ ነርስኹም ተዛረቡ፡፡ ንክተቋርፁ እንተዘይተነጊረኩም እምበር መድሓኒት ምውሓጥ ከይተቋርፁ፡፡

ናብ ሓኪም መዓዝ ንኸይድ

  • ካብ ምልክታት ዓይት 2 ሽኮርያ ዝኾነ ዓይነት ምልክት እንተሃልይኩም
  • ንዓይነት 2 ሽኮርያ ናይ ምቅላዕ ሓደጋ ይህልወኒ እዩ ኢልኩም እንተተሻቒልኩም

ሓደ ሓኪም ናይ ሽኮርያ ምርመራ ክገብረልኩም ይኽእል እዩ፡፡ ኣብ ናይ ሓኪምኩም ናይ መጥባሕቲ ክፍሊ ምርመራ ምግባር ዘይከኣል እንተኾይኑ ናብ ሆስፒታል ከይድኩም ትህብዎ ናይ ደም ምርመራ የድልየኩም እዩ፡፡

QR Code naar deze pagina:

QR Code
nl_NLDutch