033 - 2003259
መብዛሕቲኦም ሰባት ዓይነት 2 ሽኮሪያ ከይተፈለጦም እዩ ዝሕዞም፡፡ እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት እቶም ምልክታት ሕማም ከምዘለኩም ክስመዓኩም ኣይገብሩን እዮም፡፡
ዓይነት 2 ሽኮርያ ዝተፈላለዩ ሰንኪታት ኣለውዎ፤ ንኣብነት፡
ጥዕንኡ ዝተሓለወ ኣመጋግባን ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምግባር ናይ ደምኩም ሽኮር ዓቐን ንምቁፅፃር ይሕግዘኩም እዩ፡፡ ከምኡውን ኣካላዊ ክብደትኩም ንክትሕለዉን ብሓፈሻ ጥዕና ንክስመዐኩም ክሕግዘኩም ይኽእል እዩ፡፡
ዓይነት 2 ሽኮርያ እንተሃልይኩም ምብላዕ ዘይትኽእልዎ ናይ ምግቢ ዓይነት የለን፤ ኮይኑ ግና ኣብ ሓደ ሓደ ምግብታት ክትበልዑ እንከለኹም ዓቐን ምግባር የድሊ እዩ፡፡ እዞም ዝስዕቡ ክትገብሩ ይግባእ፡
ኣመጋባኹም ንምቕያር እንተደሊኹም፣ ብሓንሳእ እንተይኮነስ በብሰሙኑ ንኡሽተይ ዝኾነ ለውጢ ምግባር እቲ ዝቐለለ መንገዲ ክኸውን ይኽእል፡፡
ኣካላዊ ምንቅስቓስ ናይ ደምና ሽኮር ዓቐን ንክንክይ ይሕግዘና እዩ፡፡ ኣብ ሰሙን ን2.5 ሰዓታት ዝኣክል ኣካላዊ ምንቅስቓስ ንምግባር ትልሚ ክትገብሩ ይግባእ፡፡ ትንፋስኩም ንክሓፅር ክሳብ ዝገበረኩም ኣብ ዝኾነ ዘለኹምዎ ቦታ ምንቅስቓስ ምግባር ትኽእሉ ኢኹም፡፡ እዙይ ከዓ፡
ኣካላዊ ክብደት ምቕናስ (ልዕሊ ዓቐን ርጉዲ እንተሃልይኩም) ኣካልኩም ኣብ ውሽጢ ደም ዝርከብ ናይ ሽኮር ዓቐን ንምንካይ ይሕግዞ እዩ፡፡ ከምኡውን ኣብ ደም በዝሕኹምን ናይ ኮሌስትሮል ዓቐንኩም ክመሓየሽ ይኽእል እዩ፡፡ ክብደት ንምንካይ እንተደሊኹም፣ ንመብዛሕትኦም ሰባት ብሓንሳእ እንተይኮነስ ብኸይዲ ቀስ ኢል ምቕናስ እዩ ዝምከር፡፡ ኣብ ሰሙን ካብ 0.5 ክሳብ 1 ኪሎ ግራም ንምንካይ ትልሚ ግበሩ፡፡
ንሓፂር እዋን (ንኣስትታት 12 ሰሙን)፣ ውሑድ ናይ ካሎሪ ዓቐን ዘለዎም ምግብታት (ካብ 800 ክሳብ 1,200 ካሎሪ ኣብ መዓልቲ) ምምጋብ፣ ምልክታት ሕማም ዓይነት 2 ሽኮርያ ንክቕንሱ ክሕግዝ ከምዝኽእል ተረጋጊፁ ኣሎ፡፡ ውሑድ-ካሎሪ ዘለዎ ኣመጋግባ ንኩሎም ዓይነት 2 ሽኮርያ ዝሓመሙ ሰባት ዝስማዕማዕ ዘይክኸውን ይኽእል እዩ፤ ንኣብነት ኢንሱሊን ንዝወስዱ ሰባት፡፡ ስለዙይ ቅድሚ እዚ ኣመጋግባ ስርዓት ቅድሚ ምጅማርኩም ናይ ሓኪም ምኽሪ ምውሳድ ኣገዳሲ እዩ!
መብዛሕትኦም ሰባት ዓይነት 2 ሽኮርያ ንምቁፅፃር መድሓኒት የድልዮም እዩ፡፡ መድሓኒት ኣብ ውሽጢ ደምኩም ዝርከብ ናይ ሽኮር ዓቐን ብዝተኽኣለ ንምንካይን ካልኦት ናይ ጥዕና ፀገማት ንምክልኻልን ይሕግዝ እዩ፡፡ ምናልባት ግና ንዕድመ ልክዕ ክትወስድዎ ትኽእሉ ኢኹም፡፡ ሕማም ሽኮርያ ጊዜ ብዝወሰኸ ቁፅሪ እንዳገደደ እዩ ዝኸይድ፣ ስዘለዝኾነ ድማ መድሓኒትኩም ወይ ከዓ እትወስድዎ ዓቐን እውን ለውጢ ከድልዮ ይኽእል እዩ፡፡ ኣብ ውሽጢ ደምኩም ዝርከብ ናይ ሽኮር ዓቐን ንምንካይ ኣመጋግባኹም ምስትኽኻልን ንጡፋት ምኹዋንን ኣገዳሲ እዩ፡፡ መብዛሕትኡ ግዘ ንመጀመርታ እዋን ሜትፎርሚን(metformin) ዝተብሃለ መድሓኒት እዩ ዝበሃወኩም፡፡ ሜትፎርሚን ምስ ወሰድኩም ኣብ ደምኩም ዝርከብ ናይ ሽኮር ዓቐን እንተዘይውሒዱ፣ ካልኦት መድሓኒታት ከድልይኹም ይኽእሉ እዮም፡፡ ድሕሪ ጊዜ፣ ዝተሓወሰ መድሓኒት ከድልየኩም ይኽእል እዩ፡፡ ሓኪምኩም ወይ ከዓ ናይ ሽኮርያ ነርስኹም ንዓኹም ዝስምዕማዕ መድሓኒት ክእዘዝልኩም እዮም፡፡ መብዛሕትኡ ጊዜ ን ዓይነት 2 ሽኮርያ ኣብ መጀመርታ ዓመታት ኢንሱሊን ኣይውሰድን እዩ፡፡ ንሱ ዘድልየሉ እዋን፣ ካልኦት መድሓኒታት ኣብ ልዕሌና ምስራሕ ጠጠው እንተቢሎም ጥራሕ እዩ፡፡
ሓኪምኩም ወይ ከዓ ናይ ሽኮርያ ነርስኹም ነቲ መድሓኒት ብኸመይ ከምትወስድዎን ብኸመይ ከምተቕምጥዎን ክገልፁልኩም እዮም፡፡ ኢንሱሊን ምውጋእ ዘድልየኩም እንተኾይኑ እውን ከመይ ከምዝግበር ከርእይኹም እዮም፡፡
ን ሕማም ሽኮርያ ትወስድዎ መድሓኒት ንዘየድሊ ኣሉታዊ ሳዕቤን ሰንኪ ክኸውን ይኽእል እዩ፡፡ እዚ ከዓ እቶም ዝስዕቡ ዝሓወሰ እዩ፡
እቲ ዘየድሊ ኣሉታዊ ሳዕቤን ኣብ ኩሉ ሰብ ዝበፅሕ ኣይኮነን፡፡ ዘይጥዕና እንተተሰሚዕኩም ወይ ከዓ ዘየድሊ ኣሉታዊ ሳዕቤን እንተተዓዚብኩም፣ ንሓኪምኩም ወይ ከዓ ናይ ሽኮርያ ነርስኹም ተዛረቡ፡፡ ንክተቋርፁ እንተዘይተነጊረኩም እምበር መድሓኒት ምውሓጥ ከይተቋርፁ፡፡
ሓደ ሓኪም ናይ ሽኮርያ ምርመራ ክገብረልኩም ይኽእል እዩ፡፡ ኣብ ናይ ሓኪምኩም ናይ መጥባሕቲ ክፍሊ ምርመራ ምግባር ዘይከኣል እንተኾይኑ ናብ ሆስፒታል ከይድኩም ትህብዎ ናይ ደም ምርመራ የድልየኩም እዩ፡፡