ሕማም ካርዲዮቫስኩላር
ልቢ ድኻም እንታይ እዩ
ሕማም ካርዲዮ ቫስኩላር (CVD) ብሓፈሻ ንልቢ ወይ ከዓ ደም ሱር ዘጥቅዕ ሕማም እዩ፡፡
መብዛሕትኡ ጊዜ ኣብ ውሽጢ ኣርተሪ (atherosclerosis) ወይ ከዓ ደም ሱር ልብና ናይ ስብሒ ዕርቡን ምስ ምህላውን ምስ ደም ምሕፋስን ዝተራኸበ እዩ፡፡ ምስ መጉዳእቲ ናይ ሓንጎል፣ ናይ ልቢ፣ ኩሊትን ዓይንናን ኣርተሪ ወይ ከዓ ምስ መጉዳእቲ ደም ሱር እውን ዝተራኸበ ክኸውን ይኽእል እዩ፡፡ ሕማም ካርዲዮቫስኩላር ሓደ ካብቶም ንሞት ምኽንያት ዝኾኑ እዩ፡፡ ኮይኑ ግና መብዛሕትኡ ግዘ ጥዑይ ዝኾነ ናይ መነባሮ ሜላ ብምምራሕ ብዓብይኡ ክንከላኸሎ ንኽእል ኢና፡፡
ሰንኪታት ሕማም ካርዲዮቫስኩላር
እቲ ትኽክለኛ መልዐሊ ሕማም ካርዲዮቫስኩላር ኣይፍለጥን እዩ፤ ኮይኑ ግና በቲ ሕማም ንክንጥቃዕ ተቓላዕነት ዝውስኹ ብዙሕ ነገራት ኣለዉ፡፡ እዚኦም ከዓ “ናይ ሓደጋ ተቓላዕነት ምኽንያታት” ንብሎም፡፡ ብዙሕ ናይ ሓደጋ ተቃላዕነት ምኽንያታት ብዝሃለወና ቁፅሪ ንሕማም ካርዲዮቫስኩላር ናይ ምትሓዝ ዕድልና ዝዓበየ እዩ፡፡ እቶም ቀንዲ ሰንኪታት ሕማም ካርዲዮቫስኩላር ካብዚ ንታሕቲ ተዘርዚሮም ኣለዉ፡፡
ደም በዝሒ
ካብቶም ቀንዲ ናይ ሓደጋ ምኽንያታት ሕማም ካርዮቫስኩላር፣ ደም በዝሒ (ሃይፐርንሽን) እቲ ሓደ እዩ፡፡ ደም በዝሒኹም ልዑል እንተኾይኑ፣ ንደም ሱርኩም ክጎድኦ ይኽእል እዩ፡፡
ብዛዕባ ደም በዝሒ ዝበለፀ የንብቡ ፡፡
ሽጋራ ምስታይ
ሽጋራ ምስታይን ካልኦት ናና ትምባኾ ነገራት ምጥቃም ንሕማም ካርዮቫስኩላር እቲ ቀንዲ ምኽንያት እዩ፡፡ ኣብ ውሽጢ ትምባኾ ዘለዉ ጎዳእቲ ትሕዝቶታት ንደም ሱርኩም ክጎድእዎ ወይ ከዓ ከፅብብዎ ይኽእሉ እዮም፡፡
ልዑል ኮሌስትሮል
ኮሌስትሮል ኣብ ውሽጢ ደም ዝርከብ ስብሒ ዝኾነ ትሕዝቶ ዘለዎ ነገር እዩ፡፡ ልዑል ዝኾነ ኮሌስትሮል እንተሃልይኩም፣ ደም ሱርኩም ንክፀብብን ሓፊስ ዝኾነ ደም ናይ ምህላው ሓደጋ ንክውስኸኽ ይገብሮ እዩ፡፡
ብዛዕባ ልዑል ኮሌስትሮል ዝበለፀ የንብቡ ፡፡
ሽኮርያ
ሕማም ሽኮርያ ኣብ ውሽጢ ደምኩም ዝርከብ ናይ ሽኮር ዓቐን ንክልዕል ዝገብር ናይ ዕድመ ልክዕ ሕማም እዩ፡፡ ኣብ ውሽጢ ደም ዝርከብ ልዑል ናይ ሽኮር ዓቐን፣ ደም ሱርና ንክጉድኡን ብጣዕሚ ፀበብቲ ንክኾኑን ክገብሮም ይኽእል እዩ፡፡ መብዛሕትኦም ዓይነት 2 ሽኮርያ ዘለዎም ሰባት ካብ ዓቐን ንላዕሊ ርጉዲ ዘለዎም እዮም፤ እዙይ ከዓ ንሕማም ካርዲዮቫስኩላር ንምጥቃዕ እቲ ሓደ ናይ ሓደጋ ተቓላዕነት ምኽንያት እዩ፡፡
ኣካለዊ ምንቅስቓስ ዘይምግባር
ብስሩዕ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዘይትገብሩ እንድሕር ኮይንኩም፤ ብደም በዝሒ፣ ልዑል ኮሌስትሮልን ካብ ዓቐን ንላዕሊ ርጉዲ ናይ ምትሓዝ ዕድልኩም ዝዓበየ እዩ፡፡ እዚኦም ኩላቶም ንሕማም ካርዲዮቫስኩላር ናይ ሓደጋ ተቓላዕነት ምኽንያታት እዮም፡፡
ብስሩዕ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምግባር ልብኹም ጥዕንኡ ዝሓለወ ንክኸውን ይሕግዞ እዩ፡፡ ጥዕንኡ ዝሓለወ ኣመጋግባ ምስ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክፅምበር እንከሎ፣ ጥዕንኡ ዝሓለወ ክብደት ንክህልወኩም ክሕግዝ ይኽእል እዩ፡፡
ካብ ዓቐን ንላዕሊ ምርጓድ ወይ ከዓ ከራሽ
ካብ ዓቐን ንላዕሊ ምርጓድ ወይ ከዓ ከራሽ ንደም በዝሒን ንሕማም ሽኮርያን ተቓላዕነትና ዝለዓለ ንክኸውን ይገብሮ እዩ፤ ክልቴኦም ከዓ ንሕማም ካርዲዮቫስኩላር ቀንዲ ናይ ሓደጋ ተቓላዕነት ምኽንያት እዮም፡፡
እዞም ዝስዕቡ ነገራት እንተሃልዮም ንሕማም ካርዲዮቫስኩላር ናይ ምቅላዕ ዕድልኩም ዝለዓለ እዩ፡
- ቦዲ ማስ ኢንዴክስ (BMI)ወይ ከዓ ናይ ኣካለዊ ክብደትና ኣመላኻቲ ካብ 25 ብላዕሊ እንተኾይኑ
- ወዲ ተባዕታይ ኮይንካ ስፍሓት መዓንጣኻ 94 ሴንቲ ሜትር (37 ኢንች) ወይ ከዓ ካብኡ ንላዕሊ እንድሕር ኮይንካ፣ ሰበይቲ ኮይንኪ ስፍሓት መዓንጣኺ 80 ሴንቲ ሜትር (ኣስትታት 31.5 ኢንች ) ወይ ከዓ ካብኡ ንላዕሊ እንተኾይኑ፡፡
ኣብ ስድራ ዝፀንሐ ሕማም ካርዲዮቫስኩላር
ካብ ስድራ ዝፀንሐ ሕማም ካርዲዮቫስኩላር እንድሕር ሃልይኩም፣ ንስኹም ናይ ምትሓዝ ዕድልኩም ዝሰፍሐ እዩ፡፡
ሕማም ካርዲዮቫስኩላር ናይ ምትሓዝ ዕልኩም ዝሰፍሐ ዝኸውን፤ እንድሕር፡
- ወላዲ ኣቦኹም ወይ ከዓ ሓውኩም ቅድሚ ዕድመ 55 ምግባሮም ብ ሕማም ካርዲዮቫስኩላር እንድሕር ሓሚሞም
- ወላዲት ኣዴኹም ወይ ከዓ ሓፍትኹም ቅድሚ ዕድመ 65 ምግባረን ብ ሕማም ካርዲዮቫስኩላር እንድሕር ሓሚመን
ኣብ ስድራ ዝፀንሐ ሕማም ካርዮቫስኩላር እንድሕር ሃልዩ ንሓኪም ወይ ከዓ ንነርስ ተዛረቡ፡፡ ደም በዝሕኹምን ናይ ኮሌስትሮል ዓቐንኩም ንክትልክዑ ክመኽርኹም ይኽእሉ እዮም፡፡
ናይ ዓሌት ሕሉፍ ታሪኽ
ሕማም ካርዲዮ ቫስኩላር ካብ ደቡባዊ እስያን ኣፍሪካን ወይ ከዓ ናይ ካረብያን ዓሌት ዘለዎም ልሙድ እዩ፡፡
እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ካብዚ ዓሌት እዚ ዝመፅኡ መብዛሕቴኦም ሰባት ንሕማም ካርዲዮቫስላር ሰንኪታት ዝኾኑ ከም ደም በዝሒን ዓይነት 2 ሽኮርያ ናይ ምትሓዝ ዕድሎም ሰፊሕ ስለዝኾነ እዩ፡፡
ካልኦት ናይ ሓደጋ ምቅላዕ ምኽንያታት
ብሕማም ካርዲዮቫስኩላር ተቓላዕነትኩም ክውስኹ ዝኽእሉ ካልኦት ናይ ሓደጋ ምቅላዕ ምኽንያታት እዞም ዝስዕቡ እዮም፡
- ዕድመ – ሕማም ካርዲዮቫስኩላር ልዕሊ 50 ዕድመ ኣብ ዝገበሩ ሰባት ልሙድ እንትኸውን ዕድመ ብዝወሰኸ ቁፅሪ ድማ በቲ ሕማም ናይ ምልካፍ ዕድል ዝሰፍሐ እዩ፡፡
- ፆታ- ዕድመ ብዝዓበየ ቁፅሪ ወዲ ተባዕታይ ካብ ጓል ኣንስተይቲ ብዝበለፀ ብ ሕማም ካርዲዮቫስኩላር ናይ ምልካም ዕድሉ ዝዓበየ እዩ፡፡
- ኣመጋግባ- ጥዕንኡ ዘይተሓለወ ኣመጋግባ ንልዑል ኮሌስትሮልን ደም በዝሒን ከቃልዐና ይኽእል እዩ፡፡ ስብሒ ዝበዝሖምን ብዙሕ ጨው ዘለዎም ምግብታት ኣብዚሕኩም ኣይትብልዑ፡፡
- ኣልኮል- ካብ ዓቐን ንላዕሊ ኣልኮል ምውሳድ ዓቐን ኮሌስትሮልን ደም በዝሒን ንክውስኽ ይገብሮ እዩ፡፡ ከምኡውን ክብደት ንክልዕል እውን እጃም ኣለዎ፡፡
- መድሓኒታት
ምልክታት
ኣብ ለይቲ ካብቲ ልሙድ ንላዕሊ ዝኾነ ሽንቲ ክመፀኩም እዩ፡፡ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክትገብሩ እንከለኹም ቀልጢፉ ትንፋስ ክሓፅረኩም እዩ፡፡ ክትድቅሱ እንከለኹም ወይ ከዓ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክትብሩ እንከለኹም ናይ ትንፋስ ሕፅረት ክስምዐኩም ይኽእል እዩ፡፡
ምስ ሓኪም ዝግበር ምርመራ
ንተቓላዕነት ሓደጋታት ሕማም ካርዲዮቫስኩላር ውልቃዊ ምርመራ ምግባርን ኣድላዪ እንተኾይኑ ብኸመይ ምንካይ ከምትኽእሉ ምኽሪ ምሃብ ናይቲ ምርመራ ኣካል እዮም፡፡