033 - 2003259
ልዑል ዝኾነ ረስኒ ኣብ ህፃናት ቆልዑት ልሙድ እዩ፡፡ እቲ ሙቐት ኣብ ውሽጢ 3 ወይ ከዓ 4 መዓልቲ ናብ ዝነበሮ ይምለስ፡፡
ልዑል ሙቐት እንታይ እዩ?
ንቡር ዝብሃል ኣብ ቆልዑትን ህፃውንቲን ዝርከብ ሙቐት ከባቢ 36.4 ዲግሪ ሴልሽየስ እንተኸውን፣ ኮይኑ ግና ካብ ቆልዓ ናብ ቆልዓ ክፈላለይ ይኽእል እዩ፡፡ ልዑል ሙቐት እንብሎ 38 ዲግሪ ሴልሽየስ ወይ ከዓ ካብኡ ንላዕሊ እንተኸውን እዩ፡፡ ልዑል ሙቀት፣ ኣካልና ምስ ሰዓልን ዛሕሊን ዝመሳሰሉ ተላገብቲ ሕማማት ኣብ ዝገብሮ ምቅላስ እንረኽቦ መልሲ እዩ፡፡ ካብ ፍሮማይን ነድሪ ሓናት ዝኣመሰሉ ንቡር ናይ ቆልዑት ሕማማት ጀሚሩ ክሳብ ክታበታትን ካልኦት ብዙሕ ነገራት ኣብ ህፃውንቲ ንዝፍጠር ረስኒ ምኽንያት ክኾኑ ይኽእሉ እዮም፡፡
ልዑል ሙቐት ምምርማር
ውላድኩም ምናልባት፡
ካብ ሱፐር ማርኬትን ቤት መድሓኒትን ምዕዳግ ትኽእልዎ፣ ዲጂታል ቴርሞሜትር ወይ ከዓ ሙቐት መለክዒ መሳርሒ ብምግባር ናይ ውላድኩም ሙቐት ለክዑ፡፡
መብዛሕትኦም ረስኒታት ብምኽንያት ለበደታት ወይ ከዓ ሕማማት ዝመፅእ እዩ፡፡ እቲ ናይ ኣካል ልዑል ሙቐት ነቲ ሕማም ምኽንያት ዝኾኑ ባክቴርያታት ወይ ከዓ ቫይረሳት ኣብ ውሽጢ ንከይፀንሑ ምኽንያት ይኾኖም እዩ፡፡
ረስኒ ንክፍጠር ዝገብሩ ንቡር ምኽንያታታት ፡
ውላድኩም ካብቶም ዝስዕቡ እቲ ሓደ እንተኾይኑ ናብ ሓኪምኩም ብህፁፅ ደውሉ፡
ንውላድኩም መድሓት ምሃብ ኣድላዪ አኣይኮነን፡፡ ረስኒ ብባዕልቱ ጊዜ ክሓድጎ ዝኽእል ነገር እዩ፡፡ መድሓኒት ዘድሊ፣ ውላድኩም ኣብ ቃንዛ እንተሃልዩን፣ ድኹም ዝኾነ ምስታይ እንተሃልይዎ ጥራሕ እዩ፡፡ ውላድኩም ትሕቲ 3 ወርሒ ዕድመኡ ኾይኑ ረስኒ ኣለዎ ዶ? እንድሕር ደኣ ኮይኑ ናብ ሓኪምኩም ኪዱ፡፡ ካብ 3 ኣዋርሕ ዕድመ ንላዕሊ ቆልዑት ፓራስታሞል መድሓኒት ክበሃዎም ይኽእል እዩ፡፡
ናይ ውላድኩም ዕድመ፡ | ናይ ውላድኩም ክብደት፡ | ኣየናይ ፓራስታሞል መድሓኒት፡ |
ክንደይ ፓራስታሞል ብሓደ ሻብ: | ኣብ መዓልቲ (24 ሰዓታት) ክንደይ ክኒና | እቲ ቀፃላይ ክኒና መዓዝ ይወሓጥ |
3 ኣዋርሕ ወይ ከዓ ካብኡ ንላዕሊ | ካብ 3.0 – 5.5 ኪሎ ግራም | ![]() |
በዓል 60 ሚሊግራም 1 ክኒና | ካብ 2-3 | ድሕሪ 8 ክሳብ 12 ሰዓታት |
ካብ 3 – 12 ኣዋርሕ | ካብ 5.5 – 10 ኪሎ ግራም | ![]() |
በዓል 120 ሚሊግራም 1 ክኒና | ካብ 2-3 | ድሕሪ 8 ክሳብ 12 ሰዓታት |
ካብ 1 - 2 ዓመት | ካብ 10 – 12.5 ኪሎ ግራም | 240 ሚሊግራም፣ ብመሃንቱስ ![]() |
በዓል 240 ሚሊግራም 1 ክኒና | ካብ 2-3 | ድሕሪ 8 ክሳብ 12 ሰዓታት |
ካብ 2 - 4 ዕድመ | ካብ 12.5 – 17 ኪሎ ግራም | 240ሚሊግራም፣ ብኣፍ ዝሕየኽ መድሓኒት ![]() |
በዓል 120 ሚሊግራም 2 ክኒና | 3 | ድሕሪ 8 ሰዓታት |
ካብ 4 - 6 ዓመት | ካብ 17 – 22 ኪሎ ግራም | 240ሚሊግራም፣ ብኣፍ ዝሕየኽ መድሓኒት ![]() |
በዓል 120 ሚሊግራም 2 ክኒና | 4 | ድሕሪ 6 ሰዓታት |
ካብ 6 - 9 ዓመት | ካብ 22 – 30 ኪሎ ግራም | ![]() |
በዓል 250 ሚሊግራም 1 ክኒና | 6 | ድሕሪ 4 ሰዓታት |
ካብ 9 - 12 ዓመት | ካብ 30 – 44 ኪሎ ግራም | 250 ሚሊግራም፣ ኣብ መልሓስ ዝመክኽ መድሓኒት
|
በዓል 250 ሚሊግራም 1 ክኒና | ካብ 3-4 | ድሕሪ 6 ሰዓታት |
ካብ 12 - 15 ዓመት | ካብ 40 – 55 ኪሎ ግራም | 250 ሚሊግራም፣ ኣብ መልሓስ ዝመክኽ መድሓኒት |
በዓል 250 ሚሊግራም 1 ክኒና | ካብ 4-6 | ድሕሪ 4 ሰዓታት |