ዓይነት 2 ሕማም ሽኮርያ ምስ ሜታቦላዊ ፀገምወይ ከዓ ኣካልና ንወስዶም ነገራት ንምቕባል ክኣቢ እንከሎ ዝተራኸበ እዩ፡፡ እዞም ሕማማት እዚኦም ናይ ሜታቦሊክ ምዝባዕ የስዕቡ፡፡ ዓይነት 2 ሕማም ሽኮሪያ ዘለዎም ሰባት እኹል ዝኾነ ኢንሱሊን ወይ ከዓ እኹል ዝኾነ ውፅኢት ዘለዎ ክሰርሕ ዝኽእልን ረብሓ ክህበና ዝኽእል ኢንሱሊን ኣየመንጭዉን፡፡ ኢንሱሊን ማለት ኣብ ውሽጢ ደምና ዝርከብ ናይ ግሉኮዝ ዓቐን ሓፍ ንከይብል ዝቆፃፀር ዓብዪ ግደ ዘለዎ ሆርሞን እዩ፡፡ ኣብ ውሽጢ ደም ዝርከብ ግሉኮዝ ክንብል እንከለና ኣብ ውሽጢ ደም ዝርከብ ናይ ሽኮር ዓቐን ማለትና እዩ፡፡
ዋህዮታትና ግሉኮዝ ወይ ከዓ ሽኮር ንክቕበሉ ኢንሱሊን የድሊ፡፡ ሕማም ሽኮርያ ዘለዎም ሰባት፣ ውሑድ ዝኾነ ግሉኮዝ ወይ ከዓ ሽኮር ጥራሕ ናብ ዋህዮኦም ብምእታው እቲ ዝበዝሕ ድማ ኣብ ውሽጢ ደም ይተርፍ፡፡ ብምኽንያት እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ደም ዝርከብ ናይ ሽኮር ዓቐን ይልዕል፡፡ ዝተወሰነ ክፋል እቲ ግሉኮዝ ኩላሊትና ብምፅራይ ብሽንቲ ማይ ኣቢሉ ንደገ ይወፅእ፡፡
ዕላዊ ሽም ሕማም ሽኮሪያ፣ ዲያቤቲስ ሜላይተስ ይበሃል፡፡ መብዛሕትኡ ግዘ ግና ሽኮሪያ ብዝብል ሽም ኢና ንሰምዖ፡፡ ሽኮሪያ ዝብል ሽም ናብ ግጉይ ዝኾነ መደምደምታ ክወስደና ይኽእል እዩ፡፡ ንኣብነት፣ ሓደ ብሕማም ሽኮሪያ ዝሓመመ ሰብ ሽኮር ክበልዕ የብሉን ዝብል ኣረኣእያ ኣሎ፡፡
ሓደ ሓደ እዋን ዓይነት 2 ሕማም ሽኮሪያ ብዕድመ ዝመፅእ ሽኮሪያ እንዳተብሃለ እውን ይፅዋዕ እዩ፤ ኮይ ግና ወላ መናእሰያት እውን ብዚ ሕማም እዚ ክጥቅዑ ይኽእሉ እዮም፡፡ ስለዝኾነ ድማ ብዕድመ ዝመፅእ ሕማም ሽኮሪያ ዝብሃል ሽም ግጉይ እዩ፡፡
ካብ ዓይት 2 ሕማም ሽኮሪያ ወጻኢ፣ ዓይነት 1 ሕማም ሽኮርያ እውን ኣሎ እዩ፡፡ ከምኡውን ዝተፈላለየ ዓይነት 2 ሕማም ሽኮርያ ዝመስሉ፣ ኮይኑ ግና ፍልይ ዝብለ ሕክምና ዘድልዮም ሕማማት ኣለዉ እዮም፡፡
ኣብ ኔዘርላንድስ ብ 2019 ዓ.ም ልዕሊ 1.1 ሚልየን ዝኾኑ ሰባት ዓይት 2 ሕማም ሽኮሪያ ተረኺዎም እዩ፡፡ ዳርጋ ኣብ ኩሉ ዕድመ ክልል ብዝብሃል ኹነታት ሕማም ሽኮርያ ካብ ደቂ ኣንስትዮ ብዝበለፀ ኣብ ደቂ ተባዕትዮ እዩ ዘጋጥም፡፡ ካብቶም ብሕማም ሽኮርያ ዝተጠቕዑ ሰባት፣ ዳርጋ 90 ሚእታዊ ዝኾኑ ዓይነት 2 ሕማም ሽኮሪያ ዘለዎም እዮም፡፡ ብዓይነት 2 ሕማም ሽኮርያ ዝጥቅዑ ሰባት ቁፅሮም እንዳወሰኸ እዩ፡፡ ከምኡውን ዓይነት 2 ሕማም ሽኮርያ ኣብ ውሽጦም ምህላዉ ዘይፈልጡ ብዙሓት ሰባት ኣለዉ፡፡ እዚ ጉጅለ እዚ ክንደየናይ ዓብዪ ምኹዋኑ ገና ኣይተፈለጠን፡፡ ዘንጊዖም ስጉምቲ ስለዝወስዱ ንዝተፈላለዩ ፀገማት የጋልፆም እዩ፡፡ ብዙይ ምኽንየት ድማ ብኣጋ ግዜ ክድሕን ዝኽእል ዝነበረ ሕማም ናብ ከቢድ ብርኪ ይበፅሕ፡፡
ጻዕዳ መረቕ ኣልቦ ምግባዊ ሰብስታንስ ወይ ከዓ ብኻሊእ ኣፀዋውዓ ስታርችን ሽኮርን ምስወሓጥና ኣካልና ናብ ግሉኮዝ ይቕይሮም እዩ፡፡ እቲ ግሉኮዝ ድማ ምስ ደምና ይሕወስ፡፡ ኣብዚ እዋን እቲ ምስ ደም ዝተሓወሰ ግሉኮዝ፣ ናይ ደም ግሉኮዝ ወይ ከዓ ናይ ደም ሽኮር ይብሃል፡፡ እቲ ግሉኮዝ ብደም ጌይሩ ናብ ዋህዮታትና ይኣትው፡፡ እዚ ከዓ ንምትንፋስ፣ ንምንቅስቓስን ህርመት ልብና ንክቕፅል ዘድልየና ኩሉ ሓይሊ ይህበና፡፡
ዋህዮታ ብሓገዝ ኢንሱሊን ኣብ ውሽጢ ደምና ዝርከብ ግሉኮዝ ይወስዱ፡፡ ዓይነት 2 ሕማም ሽኮርያ ድማ ዋህዮታትና ነቲ ኢንሱሊን ንከይቅበልዎ ይገብሮም፡፡ እዙይ ከዓ ኢንሱሊን ምፅዋር ይብሃል፡፡ ኢንሱሊን ምፅዋር ዋህዮታትና ውሑድ ዝኾነ ግሉኮዝ ንክረኽቡ ይገብሮም፡፡ ብውፅኢቱ ድማ ኣካልና ውሑድ ዝኾነ ኢንሱሊን ንከመንጭውን ዋህዮታትና ውሑድ ዝኾነ ግሉኮዝ ንክወስዱን ይገብሮም፡፡
ዓይነት 2 ሕማም ሽኮርያ ከም ድኻም ፣ ማይ ፅምኢ፣ ደረቕ ኣፍ፣ ብቐሊል ዘይድሕን ቁስሊ፣ ሕፅረት ትንፋስ፣ ሽንቲ ማይ ብተደጋጋሚ ምምጻእን ብተደጋጋሚ ዝፍጠር ቁስለት (ንኣብነት ነድሪ ፍሕኛ) ዝኣመሰሉ ምልክታት ኣለዉዎ፡፡ ሕማም ሽኮርያ እንድሕር ድኣ ብእዋኑ እንተተሓኪምናዮ፣ እቶም ምልክታ ቀልጢፉም እዮም ዝጠፍኡ፡፡
መብዛሕትኡ እዋን በዓይነት 2 ሕማም ሽኮርያ ዝሓመሙ ሰባት ኣብ መጀመርታ እዋን ውሑስ ዝኾነ ወይ ከዓ ገለ ምልክት ኣየርእዩን እዮም፡፡ ብምኹዋኑ ድማ እቲ ሕማም ቅድሚ ምህላዉ ምፍላጥና ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ውሽጥና ክህልው ይኽእል እዩ፡፡ ንነዊሕ እዋን ኣብ ውሽጢ ደምና ዝርከብ ግሉኮዝ ልዑል ኮይኑ እንተፀኒሑ፣ ደም ሱርናን መትንና ወይ ከዓ ነርቭና ይጉዳእ እዩ፡፡ ብምኹዋኑ ድማ መብዛሕትኡ ግዘ ብሕማም ሽኮሪያ ዝተትሓዙ ሰባት ብሕማም ካርዲዮቫስኩላር ናይ ተጠቃዕነት ዕድሎም ሰፊሕ እዩ፡፡ ካልኦት ፅንሕ ኢሎም ዝረኣዩ ምልክታት ከዓ ከም ናይ ኩላሊት መጉዳእቲ፣ እግሪ ምሕባጥን ፅልግልግ ዝብለ ምርኣይን ዝኣመሰሉ እዮም፡፡
ብዓይነት 2 ሽኮርያ ናይ ምትሓዝ ዕድልና ኣብ ዝተፋላለዩ ምኽንያታት ዝተበረኸ እዩ፡፡ ብዚ ሕማም እዚ ናይ ምልካፍ ዕድልና ብዞም ዝስዕቡ ምኽንያታት ዝለዓለ እዩ፡
ጥዕንኡ ዝሓለወ ኣመጋግባ ብምምጋብ፣ ብሕማም ዓይነት 2 ሽኮርያ ናይ ምልካም ዕድልና ምንካይ ይከኣል እዩ፡፡ ከምኡ ድማ ሓደ ሓደ ምግብታት በቲ ሕማም ናይ ምልካም ዕድልና ክውስኽዎ ወይ ከዓ ክቕንስዎ ይኽእሉ እዮም፡፡
ስዒቦም ዘለዉ ምግብታት ብሕማም ዓይነት 2 ሽኮሪያ ናይ ምልካም ዕድልና ዝውስኹ እዮም፡፡
ስዒቦም ዘለዉ ምግብታት ብሕማም ዓይነት 2 ሽኮሪያ ናይ ምልካም ዕድልና ዝንክዩ እዮም፡፡
ስዒቦም ዘለዉ ምግብታት ብሕማም ዓይነት 2 ሽኮሪያ ናይ ምልካም ዕድልና ዝንውስኽን ንክቅንስን ዝገበሩ ምግታት እዮም፡፡
ሕማም ዓይነት 2 ሽኮሪያ ዘይብሎም ሰባት ጥዕንኡ ዝተሓለወ ኣካላዊ ክብደት ንክህልዎም ብምግባር ብቲ ሕማም ናይ ምልካም ዕድሎም ምንካይ ይኽእሉ እዮም፡፡ ዝተወሰነ ኣካላዊ ክብደት ምንካይ ኣዎንታዊ ውፅኢት ኣለዎ፡፡ ሕማም ዓይነት 2 ሽኮሪያ ንምክልኻል፡
መብዛሕትኡ እዋን ከም ፈውሲ እቲ ሕማም ከም ኢንሱሊን ወይ ከዓ ሜትፎርሚን ዝኣመሰሉ መድሓኒታት ንጥቀም ኢና፡፡ መድሓኒትን ኣመጋግባን ዝተኣሳሰሩ ነገራት እዮም፡፡ ንዓይነት 2 ሕማም ሽኮርያ ዝተለኽፈ ሰብ ዝገበረሉ ሕክምና ካብ ሕሙም ናብ ሕሙም ይፈላለ እዩ፡፡ ሓኪምን ናይ ስነ ምግ በዓል ሞያን ንዓኹም ንምምራሕ ኩሉ ጊዜ ኣብ ጎንኹም ኣለዉ፡፡ ንሕድሕድ ኩነታት ዝተብራህርሀ ሓበሬታ ይህብኹም እዮም፡፡
ሓደ ሓደ እዋን ከም ቪታሚን ዲ፣ ቪታሚን ሲ፣ ሓጺን (ኣይረን)፣ ክሮሚየም፣ ኮፐር፣ ዚንክ፣ ማግዝየም፣ ጅንጅብልል ፃዕዳ ሽንጉርቲ ወይ ከዓ ቃርፋ ዝኣመሰሉ ተወሰኽቲ ነገራት ሕማም ሽኮርያ ንዘለዎም ሰባት ፅቡቕ ፈውሲ እዮም ክብሃል ሰሚዕኩም ክኸውን ይኽእል እዩ፡፡ ይኹን ደኣ እምበር ከሳብ ሕዚ ዝተረጋገፅ ነገር የለን፡፡ ናይ እቶም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ሕፅረት ኣጋጣምኩም እንተዘይኾኑ፣ ወይ ከዓ ብሕማም ሽኮርያ ናይ ምልካም ሓደጋ እንተዘይሃልይኩም፣ እዞም ተወሰኽቲ መድሓኒታ ምውሳድ ኣይማዓድን እዩ፡፡ ወላ ን ጅንጅብል፣ ፃዕዳ ሽንጉርቲን፣ ቃርፋን ሓዊስካ፡፡