ዓይነት 2 ሕማም ሽኮርያ
ዓይነት 2 ሕማም ሽኮርያ እንታይ እዩ?
ዓይነት 2 ሕማም ሽኮርያ ምስ ሜታቦላዊ ፀገምወይ ከዓ ኣካልና ንወስዶም ነገራት ንምቕባል ክኣቢ እንከሎ ዝተራኸበ እዩ፡፡ እዞም ሕማማት እዚኦም ናይ ሜታቦሊክ ምዝባዕ የስዕቡ፡፡ ዓይነት 2 ሕማም ሽኮሪያ ዘለዎም ሰባት እኹል ዝኾነ ኢንሱሊን ወይ ከዓ እኹል ዝኾነ ውፅኢት ዘለዎ ክሰርሕ ዝኽእልን ረብሓ ክህበና ዝኽእል ኢንሱሊን ኣየመንጭዉን፡፡ ኢንሱሊን ማለት ኣብ ውሽጢ ደምና ዝርከብ ናይ ግሉኮዝ ዓቐን ሓፍ ንከይብል ዝቆፃፀር ዓብዪ ግደ ዘለዎ ሆርሞን እዩ፡፡ ኣብ ውሽጢ ደም ዝርከብ ግሉኮዝ ክንብል እንከለና ኣብ ውሽጢ ደም ዝርከብ ናይ ሽኮር ዓቐን ማለትና እዩ፡፡
ዋህዮታትና ግሉኮዝ ወይ ከዓ ሽኮር ንክቕበሉ ኢንሱሊን የድሊ፡፡ ሕማም ሽኮርያ ዘለዎም ሰባት፣ ውሑድ ዝኾነ ግሉኮዝ ወይ ከዓ ሽኮር ጥራሕ ናብ ዋህዮኦም ብምእታው እቲ ዝበዝሕ ድማ ኣብ ውሽጢ ደም ይተርፍ፡፡ ብምኽንያት እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ደም ዝርከብ ናይ ሽኮር ዓቐን ይልዕል፡፡ ዝተወሰነ ክፋል እቲ ግሉኮዝ ኩላሊትና ብምፅራይ ብሽንቲ ማይ ኣቢሉ ንደገ ይወፅእ፡፡
ሽም ኣፀዋውዓ፡ ሽኮሪየ፣ ሕማም ሽኮሪያ ዶ ወይስ ብ ዕድመ ዝመፅእ ሽኮሪያ?
ዕላዊ ሽም ሕማም ሽኮሪያ፣ ዲያቤቲስ ሜላይተስ ይበሃል፡፡ መብዛሕትኡ ግዘ ግና ሽኮሪያ ብዝብል ሽም ኢና ንሰምዖ፡፡ ሽኮሪያ ዝብል ሽም ናብ ግጉይ ዝኾነ መደምደምታ ክወስደና ይኽእል እዩ፡፡ ንኣብነት፣ ሓደ ብሕማም ሽኮሪያ ዝሓመመ ሰብ ሽኮር ክበልዕ የብሉን ዝብል ኣረኣእያ ኣሎ፡፡
ሓደ ሓደ እዋን ዓይነት 2 ሕማም ሽኮሪያ ብዕድመ ዝመፅእ ሽኮሪያ እንዳተብሃለ እውን ይፅዋዕ እዩ፤ ኮይ ግና ወላ መናእሰያት እውን ብዚ ሕማም እዚ ክጥቅዑ ይኽእሉ እዮም፡፡ ስለዝኾነ ድማ ብዕድመ ዝመፅእ ሕማም ሽኮሪያ ዝብሃል ሽም ግጉይ እዩ፡፡
ካብ ዓይት 2 ሕማም ሽኮሪያ ወጻኢ፣ ዓይነት 1 ሕማም ሽኮርያ እውን ኣሎ እዩ፡፡ ከምኡውን ዝተፈላለየ ዓይነት 2 ሕማም ሽኮርያ ዝመስሉ፣ ኮይኑ ግና ፍልይ ዝብለ ሕክምና ዘድልዮም ሕማማት ኣለዉ እዮም፡፡
ዓይነት 2 ሕማም ሽኮሪያ ኣብ ውሽጢ ክንደይ ሰባት ይርከብ?
ኣብ ኔዘርላንድስ ብ 2019 ዓ.ም ልዕሊ 1.1 ሚልየን ዝኾኑ ሰባት ዓይት 2 ሕማም ሽኮሪያ ተረኺዎም እዩ፡፡ ዳርጋ ኣብ ኩሉ ዕድመ ክልል ብዝብሃል ኹነታት ሕማም ሽኮርያ ካብ ደቂ ኣንስትዮ ብዝበለፀ ኣብ ደቂ ተባዕትዮ እዩ ዘጋጥም፡፡ ካብቶም ብሕማም ሽኮርያ ዝተጠቕዑ ሰባት፣ ዳርጋ 90 ሚእታዊ ዝኾኑ ዓይነት 2 ሕማም ሽኮሪያ ዘለዎም እዮም፡፡ ብዓይነት 2 ሕማም ሽኮርያ ዝጥቅዑ ሰባት ቁፅሮም እንዳወሰኸ እዩ፡፡ ከምኡውን ዓይነት 2 ሕማም ሽኮርያ ኣብ ውሽጦም ምህላዉ ዘይፈልጡ ብዙሓት ሰባት ኣለዉ፡፡ እዚ ጉጅለ እዚ ክንደየናይ ዓብዪ ምኹዋኑ ገና ኣይተፈለጠን፡፡ ዘንጊዖም ስጉምቲ ስለዝወስዱ ንዝተፈላለዩ ፀገማት የጋልፆም እዩ፡፡ ብዙይ ምኽንየት ድማ ብኣጋ ግዜ ክድሕን ዝኽእል ዝነበረ ሕማም ናብ ከቢድ ብርኪ ይበፅሕ፡፡
ዓይነት 2 ሕማም ሽኮርያ ከመይ ይገብር?
ጻዕዳ መረቕ ኣልቦ ምግባዊ ሰብስታንስ ወይ ከዓ ብኻሊእ ኣፀዋውዓ ስታርችን ሽኮርን ምስወሓጥና ኣካልና ናብ ግሉኮዝ ይቕይሮም እዩ፡፡ እቲ ግሉኮዝ ድማ ምስ ደምና ይሕወስ፡፡ ኣብዚ እዋን እቲ ምስ ደም ዝተሓወሰ ግሉኮዝ፣ ናይ ደም ግሉኮዝ ወይ ከዓ ናይ ደም ሽኮር ይብሃል፡፡ እቲ ግሉኮዝ ብደም ጌይሩ ናብ ዋህዮታትና ይኣትው፡፡ እዚ ከዓ ንምትንፋስ፣ ንምንቅስቓስን ህርመት ልብና ንክቕፅል ዘድልየና ኩሉ ሓይሊ ይህበና፡፡
ዋህዮታ ብሓገዝ ኢንሱሊን ኣብ ውሽጢ ደምና ዝርከብ ግሉኮዝ ይወስዱ፡፡ ዓይነት 2 ሕማም ሽኮርያ ድማ ዋህዮታትና ነቲ ኢንሱሊን ንከይቅበልዎ ይገብሮም፡፡ እዙይ ከዓ ኢንሱሊን ምፅዋር ይብሃል፡፡ ኢንሱሊን ምፅዋር ዋህዮታትና ውሑድ ዝኾነ ግሉኮዝ ንክረኽቡ ይገብሮም፡፡ ብውፅኢቱ ድማ ኣካልና ውሑድ ዝኾነ ኢንሱሊን ንከመንጭውን ዋህዮታትና ውሑድ ዝኾነ ግሉኮዝ ንክወስዱን ይገብሮም፡፡
ኣብ ጥዕናና ዘስዕቦ ኣሉታዊ ሳዕቤን
ምልክታት ዓይነት 2 ሕማም ሽኮርያ
ዓይነት 2 ሕማም ሽኮርያ ከም ድኻም ፣ ማይ ፅምኢ፣ ደረቕ ኣፍ፣ ብቐሊል ዘይድሕን ቁስሊ፣ ሕፅረት ትንፋስ፣ ሽንቲ ማይ ብተደጋጋሚ ምምጻእን ብተደጋጋሚ ዝፍጠር ቁስለት (ንኣብነት ነድሪ ፍሕኛ) ዝኣመሰሉ ምልክታት ኣለዉዎ፡፡ ሕማም ሽኮርያ እንድሕር ድኣ ብእዋኑ እንተተሓኪምናዮ፣ እቶም ምልክታ ቀልጢፉም እዮም ዝጠፍኡ፡፡
መብዛሕትኡ እዋን በዓይነት 2 ሕማም ሽኮርያ ዝሓመሙ ሰባት ኣብ መጀመርታ እዋን ውሑስ ዝኾነ ወይ ከዓ ገለ ምልክት ኣየርእዩን እዮም፡፡ ብምኹዋኑ ድማ እቲ ሕማም ቅድሚ ምህላዉ ምፍላጥና ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ውሽጥና ክህልው ይኽእል እዩ፡፡ ንነዊሕ እዋን ኣብ ውሽጢ ደምና ዝርከብ ግሉኮዝ ልዑል ኮይኑ እንተፀኒሑ፣ ደም ሱርናን መትንና ወይ ከዓ ነርቭና ይጉዳእ እዩ፡፡ ብምኹዋኑ ድማ መብዛሕትኡ ግዘ ብሕማም ሽኮሪያ ዝተትሓዙ ሰባት ብሕማም ካርዲዮቫስኩላር ናይ ተጠቃዕነት ዕድሎም ሰፊሕ እዩ፡፡ ካልኦት ፅንሕ ኢሎም ዝረኣዩ ምልክታት ከዓ ከም ናይ ኩላሊት መጉዳእቲ፣ እግሪ ምሕባጥን ፅልግልግ ዝብለ ምርኣይን ዝኣመሰሉ እዮም፡፡
ነቲ ሕማም ከቃልዑና ዝኽእሉ ምኽንያታት
ብዓይነት 2 ሽኮርያ ናይ ምትሓዝ ዕድልና ኣብ ዝተፋላለዩ ምኽንያታት ዝተበረኸ እዩ፡፡ ብዚ ሕማም እዚ ናይ ምልካፍ ዕድልና ብዞም ዝስዕቡ ምኽንያታት ዝለዓለ እዩ፡
- ዕድመ ምውሳኽ
- ካብ ዓቀን ንላዕሊ ርጉዲ፡፡ ብፍላይ ድማ ኣብ መዓንጣ ዝርከብ ስብሒ ንዓይነት 2 ሕማም ሽኮሪያ ተቓላዕነትና ይወስኾ፡፡ ልዕሊ 80 ሚእታዊ ዝኾኑ ብዓይነት 2 ሕማም ሽኮሪያ ዝተለኸፉ ሰባት ካብ ዓቀን ንላዕሊ ርጉዲ ኣለዎም፡፡
- ውሕድ ዝኾነ ምንቅስቓስ እንድሕር ንገብር ኸይንና
- ካብ ስድራ ሓደ ማለት ድማ ወላዲ፣ ሓው ወይ ከዓ ሓፍቲ ዓይነት 2 ሕማም ሽኮርያ እንተሃልይዎም፡፡
- ኣብ እዋን ጥንሲ ሽኮሪያ ሒዝዎ እንተነይሩ ወይ ከዓ ኣብ እዋን ጥንሲ እታ ኣዶ ሕማም ሽኮሪያ እንተነይርዋ፡፡
- ዓይነት 2 ሕማም ሽኮሪያ መብኣሕትኡ እዋን ኣብ እስያውያን፣ ኣፍሪካውያን፣ ላቲን ኣሜሪካውያን፣ ሂንዱስታኒ-ሱሪናሚስ፣ ቱርካውያንን ሞሮካውያን ተወለድቲ እዩ ዘጋጥም፡፡ ከምኡ ድማ ብፍላይ 35 ዕድመ ኣብ ዝመልኦም መናእሰያት ልሙድ እዩ፡፡
- ትሑት ዝኾነ ማሕበራውን-ኢኮኖሚያውን ኩነታት ኣብ ዘለዎም ሰባት
- ደም በዝሒ ዘለዎም
- ስብሒ ናይ ምሕቓቕ ፀገም ዘለዎም
- ጭንቀትን ብግቡእ ዘይምድቃስን
- ሽጋራ ምስታይ
ንዓይነት 2 ሕማም ሽኮርያ ክንክተሎ ዝግባእ ኣመጋግባ
ጥዕንኡ ዝሓለወ ኣመጋግባ ብምምጋብ፣ ብሕማም ዓይነት 2 ሽኮርያ ናይ ምልካም ዕድልና ምንካይ ይከኣል እዩ፡፡ ከምኡ ድማ ሓደ ሓደ ምግብታት በቲ ሕማም ናይ ምልካም ዕድልና ክውስኽዎ ወይ ከዓ ክቕንስዎ ይኽእሉ እዮም፡፡
ስዒቦም ዘለዉ ምግብታት ብሕማም ዓይነት 2 ሽኮሪያ ናይ ምልካም ዕድልና ዝውስኹ እዮም፡፡
- ምቁር ወይ ከዓ ሽኮር ዘለዎም ለስላሳ መስተታት፣ ናይ ፍራምረ ፅሟቕን ምቁር ናይ ፀባ ምህርቲታት (330 ሚሊ ሊትር/ብመዓልቲ)
- ቀይሕ ስጋ (ኣብ መዓልቲ ካብ 100 ግራም ንላዕሊ ዘይተሰርሐ ቀይሕ ስጋ ምብላዕ)
- ዝተሰርሐ ስጋ (ኣብ መዓልቲ ካብ 50 ግራም ንላዕሊ ዝተሰርሐ ስጋ ወይ ከዓ ናይ ስጋ ውፅኢታት ምብላዕ )
- እንቋቕሖ (ኣብ ሰሙን 7 ወይ ከዓ ካብኡ ንላዕሊ) ስብሒ ዝበዝሖም ምግታት (400 ሚሊግራም/መዓልቲ)
ስዒቦም ዘለዉ ምግብታት ብሕማም ዓይነት 2 ሽኮሪያ ናይ ምልካም ዕድልና ዝንክዩ እዮም፡፡
- ጥራምረን እኽሊን
- ፋይበርስ
- ቆጽላዋይ ሕበሪ ዘለዎም አሕምልቲ
- ፍራምረ
- ዝተፃረየ ቡና
- ፀሊምን ቆጽላዋይ ሻሂ
- ርጉኦ
ስዒቦም ዘለዉ ምግብታት ብሕማም ዓይነት 2 ሽኮሪያ ናይ ምልካም ዕድልና ዝንውስኽን ንክቅንስን ዝገበሩ ምግታት እዮም፡፡
- ኣልኮል፡ ትሑት ዝኾነ ኣልኮል ምውሳድ በቲ ሕማም ናይ ምልካም ዕድልና ንክንክይ ዝገብሮ እንትኸውን፤ ብምኹዋኑ ድማ ን ደቂ ተባዕትዮ ወላ ንኡሽተይ ዝኾነ ቢራ ምስታይን ንደቂ ኣንስትዮ ድማ ውሑድ ዝኾነ ስፕራይት ምስታይ ልዑል ዝኾነ ናይ ተቓላዕነት ሓደጋ ኣለዎ፡፡
ሕማም ዓይነት 2 ሽኮሪያ ንምክልኻል ዝምከር ስርዓት ኣመጋግባ
ሕማም ዓይነት 2 ሽኮሪያ ዘይብሎም ሰባት ጥዕንኡ ዝተሓለወ ኣካላዊ ክብደት ንክህልዎም ብምግባር ብቲ ሕማም ናይ ምልካም ዕድሎም ምንካይ ይኽእሉ እዮም፡፡ ዝተወሰነ ኣካላዊ ክብደት ምንካይ ኣዎንታዊ ውፅኢት ኣለዎ፡፡ ሕማም ዓይነት 2 ሽኮሪያ ንምክልኻል፡
- ከም ለስላሳ ዝኣመሰሉ ሽኮር ዝበዝሖም ወይ ከዓ ምቁር መስታትን ፅሟቕን ብዝተኸኣለኩም ውሕድ ንምስታይ ፈትኑ፡፡
- ብዝሕ ዝበለ ቀይሕ ስጋን ከም ጥረ ስጋ ዝኣመሳሰሉ ምግብታት ኣይትብልዑ፡፡
- ካብ ኩሉ ምግቢ ዝተውፃፅአ ውፅኢት ዘለዎ ኣብዚሕኩም ብልዑ
- ርጉኦ ስተዩ
- እኹል ዝኾነ ኣሕምልትን ፍራምረን ብልዑ፡፡
መድሓኒት
መብዛሕትኡ እዋን ከም ፈውሲ እቲ ሕማም ከም ኢንሱሊን ወይ ከዓ ሜትፎርሚን ዝኣመሰሉ መድሓኒታት ንጥቀም ኢና፡፡ መድሓኒትን ኣመጋግባን ዝተኣሳሰሩ ነገራት እዮም፡፡ ንዓይነት 2 ሕማም ሽኮርያ ዝተለኽፈ ሰብ ዝገበረሉ ሕክምና ካብ ሕሙም ናብ ሕሙም ይፈላለ እዩ፡፡ ሓኪምን ናይ ስነ ምግ በዓል ሞያን ንዓኹም ንምምራሕ ኩሉ ጊዜ ኣብ ጎንኹም ኣለዉ፡፡ ንሕድሕድ ኩነታት ዝተብራህርሀ ሓበሬታ ይህብኹም እዮም፡፡
ተወሰኽቲ ነገራት
ሓደ ሓደ እዋን ከም ቪታሚን ዲ፣ ቪታሚን ሲ፣ ሓጺን (ኣይረን)፣ ክሮሚየም፣ ኮፐር፣ ዚንክ፣ ማግዝየም፣ ጅንጅብልል ፃዕዳ ሽንጉርቲ ወይ ከዓ ቃርፋ ዝኣመሰሉ ተወሰኽቲ ነገራት ሕማም ሽኮርያ ንዘለዎም ሰባት ፅቡቕ ፈውሲ እዮም ክብሃል ሰሚዕኩም ክኸውን ይኽእል እዩ፡፡ ይኹን ደኣ እምበር ከሳብ ሕዚ ዝተረጋገፅ ነገር የለን፡፡ ናይ እቶም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ሕፅረት ኣጋጣምኩም እንተዘይኾኑ፣ ወይ ከዓ ብሕማም ሽኮርያ ናይ ምልካም ሓደጋ እንተዘይሃልይኩም፣ እዞም ተወሰኽቲ መድሓኒታ ምውሳድ ኣይማዓድን እዩ፡፡ ወላ ን ጅንጅብል፣ ፃዕዳ ሽንጉርቲን፣ ቃርፋን ሓዊስካ፡፡